ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ’ዚ ዓመት ዝተፈትሐ’ሞ፡ ብሰንኪ ሕማም ነዊሕ ከይጸንሐ ብ9 ሚያዝያ ዝዓረፈ ተኸታሊ እምነት ጴንጠኮስታል ፓስተር ተስፋይ ስዩም ፣ ንቀረባ ክልተ ሰሙናት መቕበሪ ቦታ ተኸሊኡ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ 22 ሚያዝያ ሓመድ ኣዳም ከምዝለበሰ መቕርቡ ሓቢሮም።
ፓስተር ተስፋይ ብሰንኪ እምነቱ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ስቓይ ዘሕለፈን፡ ድሕሪ ምፍታሑ ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ዝረኽበሉ ዝነበረ ሆስፒታል ደንበ-ሰንበል (እንዳ-ኮርያ) ከምዝዓረፈን፣ ሻቡ ኣብ መበቈል ዓዱ ጎዳይፍ ይዂን ካልእ ህዝባዊ መካነ-መቓብር ሓመድ ኣዳም ዝለብሰላ ነጸላ መሬት ስኢኑ ድማ ን13 መዓልታት ንስድራን መቕርብን ተወሳኺ ሓዘን ኮይኑ ምቕናዩ ይፍለጥ።
ፓስተር ተስፋይ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ ብምሕረት ዘይኮነ ጥዕናዊ ኩነታቱ ተስፋ ምስ ተጸንቀቘ እዩ ህግደፍ ኣብ ኢዱ ከይሓወዮ ፈቲሕዎ።
ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ተቐባልነት ናይ ዘይብለን እምነታት ተኸተልቲ ዝኾኑ ዜጋታት ንቡር ቀብሪን ፍትሓትን ከይቃንዓሎም ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ማሕለኻታት ከምዘዋድድ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ ነቶም ኣብ ወጻእኢ ሃገራት ተኸተልቲ እተን እምነታት ዝኾኑን ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝነጥፉ ዝነበሩን ወገናትና ሪሳኦም ናብ ሃገር ከይኣቱ ካብ ዝእግድ ዓሰረተታት ዓመታት ተቘጺሩ ኣሎ ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ 2002 ጀሚሩ ንሃይማኖታዊ ትካላት ጴንጠኮስታልን ካልኦት ዝቃወመን እምነታትን ከምዝዓጸወን ፡ ንሰዓብቲ እተን እምነታት ከኣ ኣብ ኣዝዮ ከቢድ ኩነታት ኣየርን ሕሱም ኣተሓሕዛን ዘለዎም ከባቢታት እንዳዳጎነ የሳቒ ምላዎም ኣይርሳዕን።
ኤርትራ ምስተን ኣብ ጉዳይ ነጻነት እምነት ሕሱም ኣተሓሕዛ ዘማሕድራ ቀዳሞት 10 ሃገራት ተሰሪዓ ትቕጽል ምህላዋ፣ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ወገን ድማ ኣብ ነጻነታት እምነት ዘለዎ ዘይተጻዋርነት ከም ዝነበሮ ይቕጽል ምህላዉ ብሓያለ መንግስታት ሃገራት ምዕራብን ኣህጉራዉያን ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ክሕበር ጸኒሑ እዩ።
ብዓመታዊ መስፈር ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ነጻነታት እምነት፡ ኤርትራ ምስ ስዑዲ ዓረብ፡ ናይጀርያ፡ በርማ ፡ ሰሜን-ኮርያ፡ ቻይና፡ ፓኪስታን ፡ ኢራን፡ ቱርኪሚኒስታንን ታጃኪስታንን’የን ተጸንቢራ ኣብ መስርዕ “ኣተሓሳሰብቲ ሃገራት” ትቕጽል ምህላዋ እዉን ይፍለጥ።
ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ፡ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጸቢብ ጉጅለ ኣብ ጉዳይ ነጻነት እምነት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ከም ኣሰካፊ ተርእዮ ብምውሳድ ንኤርትራ ኣብ ዝርዝር’ቲ ብ “ስክፍታታት ዘንጸፋ ሃገራት” ዝጥቀስ መዝገቡ ኣስፊርዋ ይርከብ።