ድሕሪ ኣብ ጥቅምቲ 2019 ዝገጠሞ ዕልዋ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር፡ ካብ’ቲ ተኣሲርሉ ዝነበረ ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ‘ኮበር’ ዘምለጠ ከምዝመስል ተለቪዥን ኣል-ዓረቢ ትገልጽ ኣላ።

እታ ተለቪዥን ቅድሚ ቅሩብ ሰዓታት ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳባ ኣብ ዘስፈረቶ ሓበሬታ ፣ ኣልበሺር ምስ ሓያለ እሱራት ተጸንቢሩ ካብ’ቲ ቦታ ኣምሊጡ ክኸዉን ከምዝኽእል እያ ጠቒሳ።

ሓይልታት ሓመቲ ንገለ ኣብያተ ማእሰርቲ ከተማ ካርቱም ሰይሮም እሱራት ከምዘህደሙ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ብተደጋጋሚ ኪግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሓመቲ) ኣብ ጥቅምቲ 2019 ንዝነተጔ ፍኑው ህዝባዊ ናዕቢ ከም ዕድል ወሲዱ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ተጸንቢሩ’ኳ ነቲ ናይ ሽዑ ዕልዋ እንተቃንዐ ፣ ምስ ዑመር ኣልበሺር ነዊሕ ዝኸይድ ቤተሰባዊ ቅርበት ከምዘለዎ እዩ ዝንገር።