ኣብ ሞንጎ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቅንኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ዓለምለኻዊ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናትን ምሉእ ዉህደትን ዕርቅን ተገይሩ።
እቲ ብመንጎኝነት ቀዋሚ ጉባኤ ኣሓት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት ሰሜን ኣመሪካ ዝተቓንዐ ዉህደትን ዕርቅን ድሕሪ ናይ ዓመታት ጻዕሪ ዝተረኽበ እዩ።
እተን ክልተ ኣሃጉረ ስብከታት ናብ ሓደን ውሁድን ኣብያተስብከት ክጸርያ ምኽኣለን ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሰሪቱ ዘሎ ሽግር ብተመሳሳሊ ልዝብ ናብ ዕርቂ ተበጺሑ፣ ብሓደ ቅዱስ ሲኖዶስ ንኽምእከልን ክምራሕን ዘተስፉ እዩ።
ብመሰረት እቲ ተበጺሑ ዘሎ ዕርቅን ዉህደትን ኣብ ትሕቲ ክልቲኡ ወገን ንዝጸንሐ ምሕደራን ኣገልግሎትን ፡ ብልዝብ ተወከልቲ ናይ ክልቲኦም ወገናት ናብ ውሁድ ምሕደራን ኣገልግሎትን ክኣቱ ምዃኑ እዉን ተነጺሩ ኣሎ ።
ነዚ ዉህደት ክልትኤን ኣብያተ ስብከታት ክዉን ዝገበረ ቀዋሚ ጉባኤ ኣሓት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያናት ሰሜን ኣመሪካ ንነባሪ ፍታሕ ክብል – ነተን ሓቢረን ዘለዋ ኣብያተ ስብከታት ምስ ናይ ኤርትራ ሲኖዶስ ናይ መዘራረቢ ባይታ ክፈጥር ፍቓደኛ ምዃኑን ዝከኣሎ ሓገዝ ኪገብር ድልዉ ከምዘሎን ይገልጽ።