ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝለከመ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ትግራይ ደዉ ክብልን ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦን ኣበርክትኦም ንዝተዋጽኡ ኣካላት ኣፍልጦ ንምሃብ በቲ ሓደ ፣ ንኣገዳስነት ነባሪ ሰላም ብወግዒ ንምምስካር ድማ በቲ ካልእ ዝዓለመ ጽንብል ኣብ ከተማ ኣዲሳበባ ተኻይዱ።

ኣብ’ቲ ብ23 ሚያዝያ ዝተቓንዐ ኣጋጣሚ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ኣብ ምኩዋን ዝተወከሉ ኣካላት መንግስቲን ክልልን ኢትዮጵያ፣ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከምኡ’ዉን ማሕበረሰብ ዓለም ካብ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተቐረበሎም ናይ ኣፍልጦ ክብሪ ተቐቢሎም።

ንክልል ትግራይ ወኪሉ ዝመጸ ግዝያዊ ፕረዚደንት ምምሕዳር እታ ክልል ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ሰላም ቅድሚ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ምህላቚ ክምረጽ ከምዝነበሮ ብምዝኽካር ፣ ህዝብታት ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ካብዚ ዘየድሊ ዝነበረ ገዚፍ ዕንወት ተመኲሮም ደጊም ሰላም ከቐድሙን ንሕዉነታዊ ምትሕግጋዝን ልምዓትን ኪጓየዩን ጸዊዑ ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ኩሎም ኣብ’ቲ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ንኽዓርፍ ዝጸዓሩ ሃገራዉያንን ኣህጉራዉያንን ኣካላት ብምምስጋን ፣ ካብ ኲናት ዝርከብ ረብሓ ከምዘየለ እቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ሕድሕድ ጭቡጥ ትምህርቲ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መደርኡ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነት ኣዛይዱ ኩሎም ኣስራሕቲ ዝብሎም ኣማራጺታት ኪጥቀም ምዃኑ ኣብሪሁ ኣሎ። ብመሰረት መግለጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፣ ኣብ’ዚ ሰሙን እዚ ኢትዮጵያ ክልተ ዓበይቲ ፍጻሜታት ክትርእይ ምዃና እዉን ተፈሊጡ ኣሎ። ሓደ፣ እቲ ጀሚሩ ዘሎ ትግባሬ ስምምዕ ሰላም ናይ ምትእምማን መንፈስ ኪዉንን ፕረዚደንታት ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ናብ ከተማ መቐለ ኪበጽሑ እዮም። ካልኣይ ድማ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፈደራልን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ካብ 25 ሚያዝያ ዝጅምር ዝርርብ ሰላም ኣብ ታንዛንያ ክህሉ እዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝብእስ ዘሎ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ምስ ዕጡቓት ተቛወምቲ እቲ ክልል ብሓፈሻ ምስ’ቲ ሸነ ኢሉ ዝጠቕሶ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ድማ ብፍላይ ናብ ሰላማዊ ዘተ ኪኣቱ ተደጋጋሚ ጻዉዒት ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ።

ጸጥታዊ ኩነታት ደቡባውን ምዕራባውን ከባቢታት ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተኣፋፍነት እንዳዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ዝሕብሩ እቶም ጸብጻባት፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ጽዑቕ ኲናት ዝጸንሐ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ኲነታት ኣብ ምምሕያሽ ብድሆታት ይገጥሞ ምህላዉ እዉን ይሕብሩ።

ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝዓርግ ዘሎ ጎነጽ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ እንዳኾነ ይኸይድ ከምዘሎ ይፍለጥ። ሓያለ ፖለቲከኛታትን ሰልፍታትን እታ ክልል ፣ መንግስቲ ልክዕ ከምቲ ኲናት ክልል ትግራይ ንምኽታም ምስ ህወሓት ዝበጽሖ ስምምዕ ምስቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ገዚፍ ሓይሊ ወኒኑ ዝራጸም ዘሎ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ እዉን ተመሳሳሊ ስምምዕ ብምኽታም ንነባሪ ርግኣት እታ ክልል ክሰርሕ እዮም ክጽውዑ ጸኒሖም።

እቲ ኣብ ታንዛንያ ክጅምርዩ ተባሂሉ ዘሎ ዘተ ሰላም መንግስትን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ድማ ንዘላቒ ሰላም ኢትዮጵያ ዓቢይ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ ኣሎ።