ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ብዝጸዓቐ መልክዑ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ፣ ኣዛዚ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን (ሓመቲ) ፡ ምክትሉ ዝኾነ ሓዉ ዓብደል ራሒም ዳጋሎን ኣብ ዉሽጢ ካርቱም ምስ ሰራዊቶም ኮይኖም ኲናት ይመርሑ ምህላዎም ሱዳን ትሪቡን ገሊጹ።
ብቀዳም 22 ሚያዝያ ጀነራል ሓመቲ ምስ ሰራዊቱ ተጻዒኑ ኣብ ሓደ ሸነኽ ናይ ከተማ ካርቱም እንዳተንቀሳቐሰ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝተዘርግሐ ኮይኑ፣ እቲ ጀነራል ኣብ ዉሽጢ ካርቱም ኮይኑ ሰራዊት ይመርሕን ንውጉኣትን ምዉታትን የውጽእ ከምዘሎ እዉን ይንገር።
ድሮ’ታ ሓመቲ ኣብ ጎደናታት ካርቱም ምስ ሰራዊቱ ዝተራእየላ ዕለት፣ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ምስ ተለቪዥን ኣልኣራብያ ኣብ ዘቃንዖ ቃለመሕትት፣ ሓመቲ ኣበይ ከምዘሎ ወተሃደራቱ እዉን እንተኾኑ ከምዘይፈልጡን እዩ ሓቢሩ ነይሩ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ፣ ጀነራል ሓመቲ ምስ’ታ ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፣ ንሱ ምስ ሰራዊቱ ኣብ ማእከል ከተማ ካርቱም ምህላዉ፣ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝዝረብ ዘሎ ትርጉም ዘይብሉን መልሲ ኪህበሉ ከምዘይኮነን ኣረዲኡ ኣሎ።
ብዘይካዚ ሓዉ ንጀነራል ሓመቲ ዓብደልራሒም ዳጋሎ እዉን ኣብ ሓንቲ ከተማ ናይ ምብራቓዊ ኒል ከምተራእየ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሓመቲ ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ከምዘሎን፣ ንሓመቲን ሓይልታቱን ካብ ከተማ ካርቱም ጠቕሊልካ ንምጽራግ ድማ ዝተወሃሃደ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ባይታ ንምቅናዕ መዲቡ ከምዘሎን እዩ ዝዛረብ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ፣ ኣመሪካ ዜጋታት ካብ ሱዳን ጠቕሊላ ከምዘውጽአት ሓቢራ ኣላ። ፍሉይ ኣሃዱ ኣመሪካ ብድጋፍ ሓይልታት ሓመቲ ዜጋታቱ ከምዘውጽአ እዩ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ገሊጹ ዘሎ።
መንግስቲ ኣመሪካ እቲ ናይ ምድሓን ህይወት ስርሒት ንኽዕወት ብዝተጻወትዎ ንመንግስታት ጂቡቱ፣ ኢትዮጵያን ስዑዲዓረብን ኣመስጊኑ ኣሎ።
ኣብ ሱዳን ኤምባሴታተን ዓጽየን ዜጋታተን ከውጽኣ ናይ ዝጓየያ ዘለዋ ሃገራት ዕለታዊ ይዉስኽ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ካብ ቀንዲ ዒላማ ናይቲ ኣብ ሞንጎ ተራጸምቲ ወገናት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኮይኖም ብምህላወን ፣ ሓያለ ሃገራት ዜጋታትን ከውጽኣሉ ዝኽእላ ኣማራጺ ጸቢቡ ከምዘሎ ይንገር።
ወተሃደራዊ ረጽሚ ሱዳን፣ ጽልዋን ከዉላዊ ምድግጋፍን ሓያለ ሃገራት ይምዝገቦ ብምህላዉ ኣብ ሓጺር እዋን ደዉ ክብል ከምዘይኮነ ክግመት ጸኒሑ እዩ ። ናይ’ዚ መርኣያ፣ ሰላማዊ ህዝቢ ናብ ውሑስ ከባቢ ንምግዓዝን እኹል ሰብኣዊ ቀረባት ንምክፋልን ኽከኣል ዛጊት ዝተወጠኑ ተዂሲ ደዉ ናይ ምባል ሰለስተ ተበግሶታት ሻቡ ክጠሓሱ ተራእዮም እዮም።