ሰራዊት መንግስቲ ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ን72 ሰዓታት ዝኸይድ ተዂሲ ደዉ ናይ ምባል ስምምዕ በጺሖም።
ኣመሪካ ብዝመርሐቶ ጽዑቕ ልዝብ ዝተበጽሐ እቲ ስምምዕ፡ ካብ ሰዓታት ፍርቂ ለይቲ ናይ 24 ሚያዝያ ዝጅምር እዩ። ታሽዓይ መዓልቱ ኣቚጺሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ረጽሚ ሱዳን ፣ ዛጊት ህይወት ልዕሊ 450 ሰላማዊ ህዝቢ ኪሓትት እንከሎ ንካልኦት ኣሽሓት ኣቚሲሉ ጠንቂ ምምዝባል ዓሰርተታት ኣሽሕት ኮይኑ ይርከብ።
እቲ ስምምዕ ክብጻሕ ብመሪሕነት ዘዛተየ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ፣ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስምምዕ ከኽብሩ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዉን፣ እቲ ስምምዕ – ናብ’ቲ ብኲናት ተገዲዑ ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብን፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ዘለዉ ወገናት ናብ ውሑስ ቦታ ከብልሉ ዝኽእሉ መንገዲታት ንምዉሓስን ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ጠቒሱ።
ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ እዉን ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ከምዘኽብሩን፣ እቲ ስምምዕ – ሰላማዊ ህዝቢ ሰብኣዊ ደገፍ ንኽረክብን ናብ ውሑስ ቦታ ንኽግዕዝን ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር ከምዝኸዉን ገሊጾም ኣለዉ።
ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዉን፣ ኩሎም ዞባዉያንን ኣህጉራዉያንን ኣካላት ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ከም ባይታ ወሲዶም ፡ ነባሪ ምቊራጽ ተጻብኦን ምዉሓስ ሰብኣዊ ደገፍን ንምኩዋን እትጽዕት ሽማግለ ኪትቀዉም ኪሰርሑ ተላብዩ።
እቶም ክልተ ተራጸምቲ ሓይልታት ኣቐዲሞም ንዝተበገሱ ሰለስተ ስምምዓት ምቚራጽ ተዂሲ ኪጥሕሱ ከምተራእዩ ዝፍለጥ ኮይኑ ፣ እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ግን ዝሓሸ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ይመስል።