ካብ’ቲ ኣብ ካርቱም ዘሎ ግጭት ንምርሓቕ ናብ ከተማ ካስላን ከባቢኡን ዘብሉ ዘለዉ ሓያለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብግዲ ናብ ኣሃዱታት ሓለዋ ዶብ ኤርትራ ይርከቡ ከምዘለዉ ምንጭታት ኤሪሳት ሓቢሮም።

ኣብ’ዚ ቅንያት እዚ ምስ ሱዳናዉያን ተፈናቐልቲ ተሳፊሮም ብኣዉተቡሳት ናብ ከተማ ከሰላ ዝበጽሑ ኤርትራዉያን ፣ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ንዜጋታቶም ጥራይ ካብ’ተን መካይን ኣዉሪዶም ነቶም ኤርትራዉያን ናብ መዓስከር ወዲሸሪፈን ከነምርሓኩም ኢና ብምባል ሃንደበት ናብ ከባቢ ዶብ ናይ ታላታ-ዓሸር ወሲዶም ናብ ኣሃዱታት ሓለዋ ዶብ ኤርትራ ከምዘረከብዎም እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።

ብዘይካዚ ነቲ ካብ ከተማ ካርቱም ናብ ዞባ ከሰላ ብሓፈሻ ናብ መዕስከር ስደተኛታት ወዲሸሪፈይ ከኣ ብፍላይ ዝግዕዝ ዘሎ ብዝሒ ኤርትራዊ ስደተኛ ዘስተብሃለ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ሰራዊት ሰዲዱ ነቶም ስደተኛታት ብግዲ ጽዒንካ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ወፍሪ ጀሚሩ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት፡ ካብ መዓስከር ወዲ ሸሪፈይ ጥራይ ኤርትራዉያን ብግዲ ዝተጻዕኑወን ዓሰርተታት ኣዉተቡሳት ናብ ኤርትራ ኣምሪሐን ኣለዋ። እቶም ተጨዉዮም ዝምለሱ ዘለዉ ኤርትራዉያን ኣብ ከባቢ ተሰነይ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ኣደርሰር ይእከቡ ምህላዎም እዉን ተፈሊጡ።

ኣብ ከተማ ካርቱም ዝነብሩ ኤርትራዉያን ካብ’ቲ ኣብታ ከተማ ዕለታዊ ዝጽዕቕ ዘሎ ኲናት ንምርሓቕ ኣማራጺታት ኣብ ዘናድይሉ ዘለዉ እዋን፣ ናብ ከሰላ ነግዕዝ ኢና ብዝብሉ ሰምሰርቲ ኪምዝመዙ ይርአ ምህላዉ ምንጭታት ኤሪሳት ኣቐዲሞም ሓቢሮም እዮም።

በቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ጽዒቚ ዘሎ ኲናትን ደብዳብ ነፈርቲን ተጻቢቡ ልዑል ቁጽሪ ነባሪ እታ ከተማ ናብ ዝቐረቦ ሸነኽ ይሃድም ከምዘሎ ዘፍለጡ እቶም ምንጭታት፣ ስደተኛታት ናብ ዝደለዪዎ ቦታ ከምርሑ ኩነታቶም ዘየፍቅደሎምን፡ ግዳይ ዝተፈላለዩ ምዝመዛን ሞትን ዝገብሮምን ብምዃኑ ፣ ንግዜኡ ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ እዉን ብቐጻሊ ክንብር ጸኒሕና ኢና።