መደበር ሳተላይት ተለቪዥን ኤሪሳት ፣ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ግዝኣታት ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ እተካይዶ ዘላ ዑደት ፣ ብሚኒያፖሊስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ፡ ከተማ ዊኒፔግ ናይ ካናዳን ዘጀመረ ዑደት ዛጊት ዕዉት ምንባሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብ’ቲ ምስ ህዝቢ ብኣካል ተራኺብካ ርይቶታትን ሓሳባትን ንምእካብ በቲ ሓደ፣ ኤሪሳት በጺሓቶ ዘላ ደረጃን ዘለዉዋ ብድሆታትን ንህዝቢ ንምክፋል ድማ በቲ ካልእ ዝዕላማኡ ዑደት ፣ ቀሊል ዘይኮነ ምኽራዊ፣ ሞራላዊን ዓይነታዊን ደገፋት ይርከብ ኣሎ።
ኤሪሳት ምስ ደለይቲ ፍትሒ ሚኒያፖሊስ ኣብ ዝተራኸብሉ ኣጋጣሚ ፣ ካብ’ኦም ሃገራዉያን ሃነጽቲን ሓሳባትን ኣተባባዒ ተበግሶታትን ዝተራእየ ኮይኑ ፣ ብዘይካ’ቲ ካብ’ቶም ደለይቲ ፍትሒ ዝተዋጽአ 15,000 ዶላር ፣ ከባቢ 20 ዝኾኑ ወርሓዊ ኣባልነት ብምእታው ንኤሪሳት ወርሓዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ንምብርካት ተመዝጊቦም ኣለዉ። በዚ ድማ ሚንያፖሊስ (Minneapolis) እቶም ዝበዝሑ ወርሓዊ ኣባልነት ኣብ ሓደ ግዜ ዝተመዝገቡ ኮይኖም ቀዳማይ ደረጃ ሒዞም ኣለዉ።
ኣብ ዊኒፔግ ዝቐጸለ ተመሳሳሊ ርክብ ፣ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ኪንዮ’ቲ ዝሃብዎ ሃናጺ ርእይቶን ሞራላዊ ደገፍን 6,500 ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝገበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ዑደት ኤሪሳት ኣብ ካናዳ ኣብ ዝመጽእ 29 ሚያዝያ ኣብ ኤድመንተን ን30 ሚያዝያ ድማ ኣብ ቶሮንቶ ክካየድ እዩ።
ኤሪሳት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ 7 ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘካየደቶ ዑደት ብዓወት ምዝዛሙ ኣይርሳዕን። ኣብ’ቲ ኣብ ከተማታት ደንቨር፣ ዳልስ፣ ላስቬጋስ፣ ኦክላንድ፣ ኣትላንታ ስያትልን ዋሽንግተን ዲሲን ዝተኻየደ ዑደት ካብ ህዝቢ ከባቢ 116 ሽሕ ዶላር ከምተዋጽአን ሓያለ ደለይቲ ፍትሒ ኪንዮቲ ንኤሪሳት ዝህብዎ ሞራላዊ ደገፍ ወርሓዊ ክፍሊት ንምግባር’ዉን ምምዝጋቦም ይፍለጥ።
ኤሪሳት ካብቲ ዝነቐለትሉ መሰረታዊን ማእከላይን ዕላማ ከይዘዘወት ንኹሎም ኤርትራዉያን ተቓለስቲ ፍትሒ ባይታ ንኽትከዉን ኣብ ጻዕሪ ከምዘላ ፣ ህዝቢ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ከም ኤሪሳት ዝኣመሰላ ሚድያታት ፍትሒ ብግቡ ተረዲኡ ድማ ኩሉዓይነታዊ ደገፋት ከዛይድ ካብ ቀንዲ ጻዉዒት ናይቲ ኣባላት ኤሪሳት ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት እዩ።
ኤሪሳት ዕለታዊ ዝጎንፍዋ ብድሆታት እንዳመከተት ብኣዝዩ ውሑድ ዓቕሚ ሰብን ንኡስ ፋይናንስን ብኣማኢት ሰባት እዉን ኪዕመም ዝኸብድ ስራሕ ተካዉን ዘላ ማዕከን ፍትሒ ኮይና ፣ ቀጻሊ ደገፍ ናይቲ እተገልግሎ ዘላ ህዝቢ እንተውሒድዋ ውሑስ ቀጻልነት ክህልዋ ከምዘይክእል ርዱእ’ዩ።