ብምክትል ፕረዚደንት ሰልፊ ብልጽግና ኣደም ፋራህ ዝምራሕ ፕረዚደንታት ዝተፈላለያ ክልላት፡ ከንቲባታትን ላዕለዎት ኣባላት ሰልፊ ብልጽግናን ዘካተተ ጉጅለ ናብ መቐለ ኣትዩ ዑደት ይገብር ኣሎ።
እቲ ጉጅለ፣ ከም ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዪልቃል ካፈለ፡ ኣወል ኣርባ ናይ ክልል ዓፋር፡ ሺመልስ ዓብዲሳ ናይ ክልል ኦሮሞ፡ ሙስጠፋ ዑመር ናይ ክልል ሶማል፡ ሪስቱ ዪዳዉ ናይ ክልል ደቡብ፡ ኣሻዲ ሓሰን ናይ ክልል በንሻንጉል ጉሙዝ፡ ኡሞድ ኡጁሉ ናይ ክልል ጋምቤላ፡ ደስታ ለንዳሞ ናይ ክልል ሲዳማ፡ ነጋሽ ዋጊሾ ናይ ክልል ደቡባዊ-ምዕራብ፡ ከምኡ’ዉን ከንቲባታት ከተማታት ኣዲስኣበባን ድሬዳዋን ኣዳነሽ ኣበቤን ከዲር ጆሃርን ይርከዎም።
ፕረዚደንትን ላዕለዎት መራሕቲን ግዝያዊ ምምዳር ክልል ትግራይ ነቲ ጉጅለ ወግዓዊ ኣቀባብላ ከምዝገበረሉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብፍላይ ርክብ መራሕቲ እተን ብኲናት ትግራይ ብኸቢድ ዝተጸልዋ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ እዋናዊ መሪሕነት ክልል ትግራይ ፣ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ናይ ምትእምማን መንፈስ ንኽዛይድ ባይታ ዘንጽፍ ኮይኑ ኣሎ።
ምስ ክልል ኣምሓራ ብቐሊሉ ዝዓርፍ ዘይመስል ምስሕሓብ መሬት ዘለዋ ክልል ትግራይ፡ ከምዚ ዝበለ ምቅርራብ ኪቀላቐል ምጅማሩ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊን ሕጋዊን መንገዲ ንኽፍታሕ ዘሎ ተስፋ ዘዛይድ ምዃኑ እዉን ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ የረድኡ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ይመርሕ ናይ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ላዕለዎት ኣባለት ናብ ትግራይ ምምርሖም እዉን ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድሕሪ ምርግጋጽ ሰለማዊ ፖለቲካዊ ስግግር፡ መዝነት ክልላዊ መንግስቲ ንሰልፊ ብልጽግና ከረክብ ንዘሎ ተኽእሎታት ዘራጒድ ይመስል።