ብዓስርተታት ዝቁጸር ሬሳታት ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያን ሊብያን ተረኺቡ።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያን ቱኒዝያን ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ድሕሪ ምጥሓለን ሬሳ ልዕሊ 100 ሰባት ተረኺቡ።
ሰብ መዚ ቱኒዝያ ብሰኑይ 24 ሚያዝያ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ፋክስ ብዘጋጠመ ክልተ ሓደጋት ናይ 31 ሬሳታት ከምዝረኸቡ ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ብተደጋጋሚ ከጋጥም ብዝጸንሐ ሓደጋ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ስደተኛታት ብውሑዱ ናብ ከባቢ 70 ተቓሪቡ ኣሎ።
ኣብ ፋክስ በዓል ስልጣን ፋውዚ ማስሙዲ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ሆስፒታላት እታ ከተማ ዝርከቡ መኸዘኒ ሬሳታት ከምዝመልኡን ተሳወሳኺ ካልእ ማእከላት ንምኽፋት ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ ካብተን ብ24 ሚያዝያ ዝጠሓላ ጀላቡ ብውሕዱ 47 ሰባት ከምዝደሓኑ እውን ሓቢሩ ኣሎ።
ቱኒዝያ፡ ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ዝትስፈዉ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ካብ ቀንዲ መነሃርያ ኮይና ዘላ ሃገር እያ። ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት እውን ብኣባላት ጸጥታ ቱኒዝያ ተታሒዞም ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ከም ዝርከቡ ይፍለጥ።
ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መብዛሕትኦም ካብ ትሕቲ ሰሃራ ዝመጹ 14 ሽሕ ስደተኛታት ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ክድሕኑ እንከለዉ፡ እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝተመዝገበ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ከምዝዛይድ ይጠቅስ።