ኣብ ክልል ኦሮሞ ሰሪቱ ዘሎ ግጭት ብሰላም ንምፍታሕ ዝዓለመ ዘተ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ንምጅማር ምድላዋት ኣብ ታንዛንያ ከተማ ዛንዚባር ይካየድ ኣሎ።

ኣፈኛ ፈጻሚ ጸሓፊ ኢጋድ ኑር መሓሙድ ሸኽ ንኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “እቲ ዝርርብ ንምክያድ ምድላዋት ይካየድ ኣሎ” ክብል ነቲ መስርሕ “ብኢትዮጵያ ዝምራሕን-ንኢትዮጵያውያን ዝውነንን” ክብል ገሊጽዎ። ፈጻሚ ጸሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ናይ ትዊተር ሕሳቡ ኣብ ዝጸሓፎ መልእክቲ ፣ ንኹሎም ወገናት ዓወት ንምነ ኢሉ ።

እቲ ዘተ ብመንጎኘት መንግስታት ኖርወይ፣ ኬንያን ኢጋድን ከምዝካየድ እሙናት ምንጪታት ይሕብሩ ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝብእስ ዘሎ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ምስ ዕጡቓት ተቛወምቲ እቲ ክልል ብሓፈሻ ምስ’ቲ ሸነ ኢሉ ዝጠቕሶ ግንባር ሓንተ ኦሮሞ ድማ ብፍላይ ናብ ሰላማዊ ዘተ ኪኣቱ ተደጋጋሚ ጻዉዒት ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ።

ጸጥታዊ ኩነታት ደቡባዊን ምዕራባዊን ከባቢታት ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተእኣፋፍነት እንዳዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ዝሕብሩ እቶም ጸብጻባት፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ጽዑቕ ኲናት ዝጸንሐ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ኲነታት ኣብ ምምሕያሽ ብድሆታት ይገጥሞ ምህላዉ እዉን ይሕብሩ።

ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝዓርግ ዘሎ ጎነጽ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ እንዳኾነ ይኸይድ ከምዘሎ ይፍለጥ። ሓያለ ፖለቲከኛታትን ሰልፍታትን እታ ክልል ፣ መንግስቲ ልክዕ ከምቲ ኲናት ክልል ትግራይ ንምኽታም ምስ ህወሓት ዝበጽሖ ስምምዕ ምስቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ገዚፍ ሓይሊ ወኒኑ ዝራጸም ዘሎ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ እዉን ተመሳሳሊ ስምምዕ ብምኽታም ንነባሪ ርግኣት እታ ክልል ክሰርሕ እዮም ክጽውዑ ጸኒሖም።

እቲ ኣብ ታንዛንያ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ዘተ ሰላም መንግስትን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ድማ ንዘላቒ ሰላም ኢትዮጵያ ዓቢይ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ ኣሎ።