ድሕሪ ምዕላዉ ናብ ማእሰርቲ ዘምርሐ’ሞ ኣብዚ እዋናዊ ግጭት ሱዳን ካብ ዝነበረሉ ቤትማእሰርቲ ኮበር ኣምሊጡ ኪኸዉን ይኽል እዩ ኪበሃለሉ ዝጸንሐ ዑመር ኣልበሺር ፣ ኣብ ቊጽጽር ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ዝርከብ ናይ ኡምዱርማን ወተሃደራዊ ሆስፒታል ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።

ሰራዊት መንግስቲ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፣ ዑመር ኣልበሺር ምስ ምክትሉ ባክሪ ሓሳን ሳሊሕ ከምኡ’ዉን ናይ ቅድም ሚኒስተራት ዓብደልራሒም ሞሓመድ ሑሴን፣ ኣሕመድ ኣልጣይብ ኣልኻንጃርን ዮሱፍ ዓብደልፋታሕን ኣብቲ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ምህላዎም ኣፍሊጡ።

ዑመር ኣልበሽር፡ ካብ’ቲ ተኣሲርሉ ዝነበረ ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ‘ኮበር’ ዘምለጠ ከምዝመስል ተለቪዥን ኣል-ዓረቢ ብ24 ሚያዝያ ኪትገልጽ ተሰሚዓ እያ። እታ ተለቪዥን ኣብ’ቲ ናይ ሽዑ ሓበሬታኣ፣ ኣልበሺር ምስ ሓያለ እሱራት ተጸንቢሩ ካብ’ቲ ቦታ ኣምሊጡ ክኸዉን ከምዝኽእል እያ ጠቒሳ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮበር ተታሒዞም ካብ ዝጸንሑ ናይ ቅድም ሰብስልጣን ስርዓት ኣልበሺር ካብቲ ቤትማእሰርቲ ድሕሪ ምዉጻኦም ንሰራዊት መንግስቲ ዘለዎም ደገፍ ከርእዩ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ እዋን ስርዓት ኣልበሽር ካብ ላዕለዎት ሰብስልጣን ዝነበረ ኣሕመድ ሃሩን ድሕሪ ካብ ቤትማእሰርቲ ምዉጻኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሓይልታት ሓመቲ ንሱዳን ኣብ ትሕቲ ቤተሰባዊ ግዝኣት ንምቚራና ዓሊሞም ወፊሮም ከምዘለዉ ብምኽሳስ ኩሉ ህዝቢ ሱዳን ንሰራዊት መንግስቲ ደገፉ ከዛይድ ጸዊዑ።

ሓይልታት ሓመቲ ከም ግብረመልሲ ናይ’ቲ ብኣሕመድ ሃሩን ዝተዋህበ መግለጺ፣ እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ወገን ምስ ናይ ቅድም ሰብስልጣን ስርዓት ኣልበሽርን ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስን ተደጋጊፉ ንደሞክራሳዊ ስግግር እታ ሃገር ንምቚጻይ ይሽርሕ ምህላዎም ከሲሶም።ኣብዚ ግዜዙ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ሰዓታት ፍርቂ ለይቲ ናይ 24 ሚያዝያ ፡ ን72 ሰዓታት ዝኸይድ ተዂሲ ደዉ ናይ ምባል ስምምዕ የተግብሩ ምህላዎም ይፍለጥ።