ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ነቲ ኣብታ ሃገር ምስ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣትዩዎ ዘሎ ግጭት ደዉ ንምባል ብምትእኽካብ ኢጋድ ኣብ ከተማ ጁባ ክቃናዕ ተተሊሙ ንዘሎ ዘተ ሰላም ከምዝቕበሎ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ እቲ ብኢጋድ ኣብ ዝሓለፈ 16 ሚያዝያ ዝተኣመመ ትልሚ ከምዝበጽሖን ነቲ ሓሳብ ከምዝቕበሎን ብምንጻር፡ ንተበግሶ ኢጋድ ከምዝንእድ ኣረዲኡ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ምንዋሕ ናይቲ ን72 ሰዓታት ጥራይ ተኣትዩ ዘሎ ምቊራጽ ተዂሲ፡ ኣብቲ ክልቲኦም ወገናት ወኪላቶም ምስ ሰደዱ ዝህልዉ ዘተ ክዝረበሉ ምዃኑ ኣነጺሩ።

ኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብ ናይ 16 ሚያዝያ ህጹጽ ማንዛዊ ኣኼባኡ፡ ንመራሕቲ ደቡብ-ሱዳን፥ ጂቡቲን ኬንያን ናብ ካርቱም ኣምሪሖም ክሽምግሉ ወሲኑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ወተሃደራዊ ግጭት ሱዳን ኣብ ከተማ ካርቱም ምጽዓቚ ምስፈለጠ፡ እቲ ሽምግልና ኣብ ከተማ ጁባ ናይ ደቡብ-ሱዳን ኪቃናዕ እዩ መዲቡ።

ሱዳን ትሪቡን ካብ እሙናት ምንጭታት ረኺበዮ ብዝበለቶ ሓበሬታ መሰረት ፡ ኢጋድ ዝሓለፈ ዓርቢ ንክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ወኪላቶም ክሰዱ ጸዊዑ ከምዘሎ፡ ሌተናንት ጀነራል ሻምስ ኣልዲን ካባሺ ድማ ንሰራዊት መንግስቲ ኪዉክል ከምዝኽእል እዩ።

ብዛዕባ ጻዉዒት ኢጋድ ካብ ሓይልታት ህጹጽ ሓገዝ ዛጊት ዝተዋህበ ምላሽ ከምዘየለ ይሕበር።
ብዘይካዚ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ኣቦመንበር ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋቂ ተደዋዊሉ፡ ሃገሩን እቲ ሕብረትን ተደጋጊፎም ከካዉንዎ ኣብ ዝኽእሉ ኣማራጺታት ምስፋን ሰላም ሱዳን ከምዝዘተየ ይንገር።