ኣብ ሱዳን ካብ ኩናት ሓድሕድ ሂወቶም ንምድሓን፡ ካብ ከተማ ካርቱም ዝሃድሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቁጽሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርከተ ይመጽእ ኣሎ ። ብኡ መንጽር ድማ ሽግራቶም እናዓበየን ዝሓልፍዎ ግዑዞን መስገደልን ንሂወቶም ዝፈታተን እንዳኾነን ፣ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ይርከቡ ኣለዉ ።

ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኩናት ንምምላጥ ናብ ኢትዮጵያ ዘምርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ንኸይኣትዉ ኣብ በረኻታት መተማ ተዓጊቶም ይርከቡ ኣለዉ ። እቲ ምዕጋት ፣ ንኤርትራውያን ጥራይ ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ እዉን ተረጋጊጹ ኣሎ።

 

ሱዳናውያን ፡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ዝኾኑ ተፈናቐልቲ ናብ ኤትዮጵያ ንኽኣትዉ ክፍቀደሎም ከሎ ፣ ኤርትራውያን ግን ኤምባሲኹም ኸይነሕልፈኩም ከልኪልኩም ኣሎ ብዝብል ብኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ይጓነዩ ከምዘለዉ ካብ’ቶም ስደተኛታት ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

እዞም ንከባቢ 3 መዓልታት ኣብ በረኻታት ዶባት ኤትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ቃልዕ ተደርብዮም ዘለዉ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ኣስታት 200 ኤርትራውያን ፡ ብሕጽረት መግቢን ማይን ተጣሪዖም ኩነታቶም ዝበኣሰ መልክዕ ከይሓዘ ፣ ብዝምልከቶም ወገናት ኣቃልቦ ክወሃቦ ይላበዉ ኣለው ።