ካብ ሱዳን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ዝሃድሙ ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዝሒ ዘስተብሃሉ ሰምሰርቲን ሰበስልጣን ሓለዋዶባት እተን ሃገራትን፡ ካብ’ቶም ስደተኛታት ተወሳኺ ገንዘብ ንምኽዕባት ይጓየዩ ከምዘለዉ ምንጭታት ኤሪሳት ሓቢሮም።
ሓያለ ካብ ሱዳን ናብ ከም ኢትዮጵያ፣ ደቡብ-ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ፡ ግብጺን ከብሉ ዝደልዩ ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ፣ ብኣሰጋገርቲ ልዑል መጠን ገንዘብ እንዳተሓተቱ ከይኣክል ካብ ሰብመዚ ኢሚግሬሽንን ሓለዋ ዶባትን እተን ሃገራት ተወሳኺ ምዝመዛ ይገጥሞም ከምዘሎ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።
ብፍላይ እቶም ናብ ኢትዮጵያ፣ ብደቡብ ሱዳን ኣቢሎም ድማ ናብ ኬንያን ኡጋንዳን ንምብጻሕ ምስ ካልኦት ዜጋታት ተጸንቢሮም ዝጓዓዙ ዘለዉ ወገናትና ፣ ብኣባላት ጸጥታን ክፍሊ ኢሚግሬሽንን እተን ሃገራት እንዳተጓነዩ ኣብ ዝተኸለለ ቦታ ኽእከቡን፡ ገንዘብ ንኪኸፍሉ ዝተፈላለየ ምፍርራሃት ይግበርን ከምዘሎ እዮም ምንጭታት ዝሕብሩ።
ነዚ ዘሎ ቅልዉላዉ መዝሚዞም ልዑል ገንዘብ ንምድላብ ኣብ ምስግጋርን ጭዉያን ስደተኛታት ናይ ዝተዋፈሩ ገበነኛታት ብዝሒ ብርኡይ ይዛይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ እዩ።
ህግደፍ ነቶም ናብ ከሰላ ኪዕቈቡ መጽዩም፣ ካብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብግዲ ዝቕበሎም ዘሎ ኤርትራዉያን ከም ብወለንታኦም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ኣምሲሉ ኪዛረብ ዝተሰምዐ ኮይኑ፣ ዝበዝሑ ካብ’ቶም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ዝበሃሉ ዘለዉ ዜጋታትና ኣብ ከተማ ተሰነይ ከባቢ ኣደርሰር ኣብ ዝረከብ ቤትማእሰርቲ ምህላዎም ናይ ዓይኒ መሰኻክር የረድኡ።
ኣብ’ዚ ቅንያት እዚ ምስ ሱዳናዉያን ተፈናቐልቲ ተሳፊሮም ብኣዉተቡሳት ናብ ከተማ ከሰላ ዝበጽሑ ኤርትራዉያን ፣ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ንዜጋታቶም ጥራይ ካብ’ተን መካይን ኣዉሪዶም ነቶም ኤርትራዉያን ናብ መዓስከር ወዲሸሪፈን ከነምርሓኩም ኢና ብምባል ሃንደበት ናብ ከባቢ ዶብ ናይ ታላታ-ዓሸር ወሲዶም ናብ ኣሃዱታት ሓለዋ ዶብ ኤርትራ ከምዘረከብዎም ተሓቢሩ እዩ።
ብዘይካዚ ነቲ ካብ ከተማ ካርቱም ናብ ዞባ ከሰላ ብሓፈሻ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ወዲሸሪፈይ ከኣ ብፍላይ ዝግዕዝ ዘሎ ብዝሒ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተዓዘበ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ብከዉሊ ሰራዊት ሰዲዱ ነቶም ስደተኛታት ብግዲ ጽዒንካ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ወፍሪ ጀሚሩ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ።
ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት፡ ካብ መዓስከር ወዲ ሸሪፈይ ጥራይ ኤርትራዉያን ብግዲ ዝተጻዕኑወን ዓሰርተታት ኣዉተቡሳት ናብ ኤርትራ ኣምሪሐን ኣለዋ። እቶም ተጨዉዮም ዝምለሱ ዘለዉ ኤርትራዉያን ኣብ ከባቢ ተሰነይ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ኣደርሰር ይከቡ ምህላዎም እዉን ተፈሊጡ።