ቅትለት ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ፣ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት እታ ክልልን ፈደራላዊ መንግስቲን ብጉዳይ ዳግመ ስርርዕ ፍሉያት ሓይልታት ዝርአ ዘሎ ምትፍናን ናብ ዝበኣሰ ሸነኹ ከብሎ ከምዝኽል ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ሓቢሮም።
ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግርማ የሺቲላ ብ27 ሚያዝያ ካብ መሃል-ሜዳ ናብ ደብረብርሃን እናተጓዕዘ ኣብ መንዝ-ጉዋሳ ዝተባህለ ከባቢ ናይ ዞባ ሰሜን ሽዋ መንነቶም ዛጊት ብዘይተነጸረ ዕጡቓት ብዝተወስደሉ ብረታዊ ስጒምቲ ንሱን ኣባላት ሓለዋኡን ከምተቐትሉ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብወግዒ ገሊጹ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ኣብ ዘካፈሎ ሓበሬታ ፣ ቅትለት እቲ በዓል ስልጣን ውጹእ ግብረሽበራዊ ተግባር ከምዝኾነ እዩ ጠቒሱ ዘሎ።
ኣቶ ግርማ የሽቲላ ንመስርሕ ዳግመ ስርርዕ ፍሉይ ሓይሊ ኣትሪሩ ክጉስጉስን ፣ ኣንጻር እቲ መስርሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዚዓርግ ዝነበረ ህዝባዊ ተቛዉሞ ድማ ብሸለልትነት ኣመሓደርቲ እታ ክልል ዝሰዓበ ምዃኑ ብቓልዕ ኪወቅስን ዝጸንሐ ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ።
ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ስልጣን ዝተወሰደ ብረታዊ ስጒምቲ በቶም ንምኽታም ፍሉይ ሓይሊ እታ ክልል ዝቋወሙ ገለ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተቓንዐ ኪኸዉን ይኽል እዩ ዝብሉ ወገናት ፣ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ እዉን ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝሕይል ዘሎ ህዝባዊ ምዕዝምዛማት ንምቚጻይ ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ኪወስድ ምኽኒት ንምርካብ ነቲ ቅትለት ፈጺምዎ ከይከዉን ስክፍታ ከምዘለዎም ይዛረቡ።
ሰልፊ ብልጽግና ኣዉጺዎ ኣብ ዘሎ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ኣባሉ ዝበጽሐ ሓደጋ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ጠቒሱ፣ ኣብ ልዕሊ ፈጸምቱ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጒምቲ ኪወስድ ከምዝኾነ እዩ ኣጠንቂቑ ዘሎ።
እቲ ንፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ መሳርዕ ፈደራላዊ ፖሊስን ሰራዊትን ኣግዒዝካ ንምምእካለን ዝተወጠነ መደብ ብዘይካ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኩለን ክልላት ብዘይዕንቅፋት ምስልሳሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተራእየ ህዝባዊን ብረታዊን ተቛዉሞ እዉን ብከፊሉ መግትኢ ተገይርሉ እቲ ውጥን ኣብ መስርሕ ከምዘሎ እዩ ክዝረብ ጸኒሑ።
ኪሃንጽዎ ዝጸንሑ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ነቲ ብጉዳይ ዋንነት መሬት ወልቃይት-ጸገዴ ፡ካብ ትግራይ ይኹን ፈደራላዊ መንግስቲ ኪመጽእ ዝኽእል ጸቕጢ ኣብ ምብዳህ ኪጠቅም እዩ ዝብል ርድኢት ኣጥርዮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ነዚ ጀሚሩ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሃገራዊ መሳርዕ ፖሊስን ሰራዊትን ናይ ምጽንባር መደብ ፍጹም ኪወሓጠሎም ከምዘይኮነ ተነጊሩ እዩ።
ምኽታም ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ኢትዮጵያ ፣ ንተሰማዕነትን ሓይሊን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘደላድል ከምዝኸዉን ዝሕብሩ ወገናት፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ ጉዳይ ምሉእ ብምሉእ እንተተዓዊቱ፣ ነታ ኣብ ቀጻሊ ቀቢላዊን ክልላዊን ምትፍናን እትደክም ዘላ ሃገር ናብ ዝሓሸ ጎደና ከምርሓ ከምዝኽእል እዮም ዝምጉቱ። ነዚ መጎተ እዚ ዝቃወሙ ካልኦት ወገናት እዉን፣ ምብቃዕ ፍሉይ ሓይሊ ንበትረስልጣን ኣቢይ ኣሕመድ ኣደልዲሉ፡ እቲ መራሒ ተሓታትነት ብዘይብሉ መላኺ ኣካይዳ ትካላዉነትን ቅዋምነትን ክጥሕስ ባይታ ዘንጽፈሉ ምዃኑ ይዛረቡ።