ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ንተወሳኺ 72 ሰዓታት ተዂሲ ደዉ ከብሉ ምርድዳኦም ተሓቢሩ። ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጸሑፍ፣ ነቲ ብዞባዉያንን ኣህጉራዉያን መንጎኛታት ዳግማይ ዝተገብረ ጻዉዒት ከምዝተቐበሎ ጠቒሱ ኣሎ።

ተዂሲ ደዉ ናይ ምባል ስምምዕ ክናዋሕ ካብ ዝጽዕራ ዘለዋ ሃገራት ፣ ኣመሪካን ስዑድን ብቐዳምነት ዝጥቀሳ ኮይነን፣ እቲ ስምምዕ ነባሪ ፍታሕ ክርከበሉ ናብ ዘኽእል ዘተ ሰላም ንምምራሑ ሓያለ ወገናት ይጓየዩ ምህላዎም ይፍለጥ። ብዘይካ’ቲ ኢጋድ ኣብ ከተማ ጁባ ዘቃንዖ ዘሎ ዘተ ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እዉን ናብ ክልቲኦም ወተሃደራዉያን መራሕቲ ሱዳን እንዳተደዋወለ ሃገሩ ናይ ምሽምጋል ተራ ክትጻወት ቅርብቲ ከምዘላ ምሕባሩ ይንገር።

ግዝያዊ ተዂሲ ደዉ ናይ ምባል ስምምዕ ነቲ ኣብ ሱዳን ብሓፈሻ ኣብ ከተማ ካርቱም ድማ ብፍላይ ዝቐነየ ግጭት ብመጠኑ ኣዝሒልዎ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ገለ ሸነኻት ካርቱምን ኡምዱርማንን ነኣሽቱ ምርጻማት ይርአ ብምህላዉ፣ መስርሕ ምዉጻእ ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ።

ስለዝኾነ’ዉን ብ28 ሚያዝያ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ነቚጣታት ሓይልታት ህጹጽ ድጋፍ ናይ ኣየርን ከቢድ ብረትን ደብዳባት ከካይድ ተራእዩ። ሓይልታት ሕጹጽ ደገፍ ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ፣ ሰራዊት ሱዳን ንዝተኣትወ ምቊርጽ ተዂሲ ጥሒሱ ኣብ ከባቢ ባሕሪን ኡምዱርማንን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣሃዱታቶም ደብዳብ ከምዘካየደ እዮም ከሲሶም።

ክልቲኦም ወገናት ንተወሰኽቲ 72 ሰዓታት ተዂሲ ደዉ ከብሉ ተሰማሚዖም እንዳሃለዉ ብዓርቢ 28 ሚያዝያ ኪጋጨዉ ምርኣዮም ኣዝዩ ዘተሓሳሰቦ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ፣ ዜጋታት ካብ’ታ ሃገር ንምዉጻእ ዘኽእል ውሑስ መንገዲ ንምፍጣር ይስሕራ ከምዘሎ ኣረዲኡ ኣሎ።

ቊጽሪ ናይቶም ካብ ሱዳን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘርሕቚ ዘለዉ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን እዉን ይዛይድ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 20 ሽሕ ሱዳናዉያን ናብ ጫድ ኣቢሎም ከምዘለዉ ምሕባሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ሰብ መዚ ግብጺ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘውጽዎ ሓበሬታ እዉን ልዕሊ 15 ሽሕ ተፈናቐልቲ ናብታ ሃገር ኣትዮም ምህላዎም የፍልጡ።

ብዘይካዚ ፣ ካብ ሱዳን ናብ መተማ-ዮሃንስ ናይ ዝኣትዉ ዘለዉ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ወጻእተኛታትን ስደተኛታት ዛጊት ልዕሊ 4,000 በጺሑ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ጨንፈር ኢትዮጵያ ይገልጽ።