ፖሊስ ዓዲ ጥልያን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብዘካየዶ ስርሒት ብዘይሕጋዊ ንግዲን ምስግጋርን ደቂሰብ ይነጥፉ እዮም ንዝበሎም 17 ሰባት ከምዝቐየደ ሓቢሩ። እቶም ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝግተር መርበብ ምስግጋር ስደተኛታት ከምዝነጥፉ ዝተነግረሎም ጥርጡራት፣ ንነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ልዕሊ 1,000 ኤሮ እንዳኽፈሉ ካብ ዓዲ ጥልያን ናብ ፈረንሳ ከስግሩ ምጽንሖም እዉን ፖሊስ ጥልያን የረድእ።
ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ጥርጡራት ዜጋታት ጊኒን ኣይቮሪኮስትን ምዃኖም እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ ።
ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ካታንያ፣ ኣስቲ፣ ኲኖ፣ ጀኖዋ፣ ላስፐዝያ፣ ፓቪያ፣ ሪሚኒ፣ ሳቮናን ቱሪንን ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት ነቶም ጥርጡራት ዝቐየዱ ኮይኖም፣ ሰልሰተ መነሃርያታት እቲ መርበብ ገበነኛታት እዉን ከምዝረኸበ የፍልጥ።
ጥልያን በቲ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሉ ዕለታዊ ዝመጻ ብዝሒ ስደተኛታት ብቀጻሊ መረረ ካብ ዘስመዓ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ኮይና ፣ ቁጽሪ ናብ ኢጣልያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምንካይ ዝተረሩ ዝበሃሉ ስጒምታት ኣብ ምክያድ ከምትርከብ ይግለጽ።