ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ክፍልታት ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክልል ኣምሓር ጥሩፋዊ ሽበራ የራብሑ ኣለዉ ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ወገናት ኣራሚ ስጉምቲ ክወስድ ምጅማሩ ሓቢሩ። እቲ ሓይሊ ዕማም ነዚ ዝሕብር ዘሎ፣ ሒደት መዓልታት ድሕሪ ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ኣብታ ክልል ብዕጡቓት ወገናት ምቕታሉ እዩ።

ንሕገመንግስትን ክልላዊ ምሕደራን እታ ክልል ጨዉዮም ሓይሊ ንምምንዛዕ ኣብ ልዕሊ ዝጓየዩ ዘለዉ ወገናት ብስም ህዝቢ ኣምሓራ ሕንፍሽፍሽ ንምፍጣር ዘካይድዎ ዘለዉ ሽርሒ ኣደብ ንምትሓዝ ክስራሕ ተጀሚሩ ከምዘሎ እዩ እቲ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያ፣ ሓይልታት ምክልኻል፣ ከምኡ’ዉን ፈደራል ፖሊስ ዘካተት ሓይሊ ዕማም ዘተሓሳስብ።

ቅትለት ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ፣ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት እታ ክልልን ፈደራላዊ መንግስቲን ብጉዳይ ዳግመ ስርርዕ ፍሉያት ሓይልታት ዝርአ ዘሎ ምትፍናን ናብ ዝበኣሰ ሸነኹ ከብሎ ከምዝኽል ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ክግምቱ ቀንዮም እዮም።

ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግርማ የሺቲላ ብ27 ሚያዝያ ካብ መሃል-ሜዳ ናብ ደብረብርሃን እናተጓዕዘ ኣብ መንዝ-ጉዋሳ ዝተባህለ ከባቢ ናይ ዞባ ሰሜን ሽዋ መንነቶም ዛጊት ብዘይተነጸረ ዕጡቓት ብዝተወስደሉ ብረታዊ ስጒምቲ ንሱን ኣባላት ሓለዋኡን ከምተቐትሉ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብወግዒ ገሊጹ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ኣብ ዘካፈሎ ሓበሬታ ፣ ቅትለት እቲ በዓል ስልጣን ውጹእ ግብረሽበራዊ ተግባር ከምዝኾነ እዩ ጠቒሱ፣ ጸጥታዊ ሃጓፋት ክልል ኣምሓራ ንምምሕያሽ ዝተወሃሃደ ወፍሪ ኪትግበር ምዃኑ ኣጠንቂቚ ኔሩ።

ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ስልጣን ዝተወሰደ ብረታዊ ስጒምቲ በቶም ንምኽታም ፍሉይ ሓይሊ እታ ክልል ዝቋወሙ ገለ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተቓንዐ ኪኸዉን ይኽል እዩ ዝብሉ ወገናት ፣ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ እዉን ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝሕይል ዘሎ ህዝባዊ ምዕዝምዛማት ንምቚጻይ ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ክወስድ ምኽኒት ንምርካብ ነቲ ቅትለት ፈጺምዎ ከይከዉን ስክፍታ ከምዘለዎም ኣዮም ዝግምቱ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ኣባሉ ዝበጽሐ ሓደጋ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ዝሓበረ ሰልፊ ብልጽግና እዉን ኣብ ልዕሊ ፈጸምቱ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጒምቲ ኪወስድ ከምዝኾነ ኣጠንቂቚ ኔሩዩ።

እቲ ንፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ መሳርዕ ፈደራላዊ ፖሊስን ሰራዊትን ኣግዒዝካ ንምምእካለን ዝተወጠነ መደብ ብዘይካ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኩለን ክልላት ብዘይዕንቅፋት ምስልሳሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተራእየ ህዝባውን ብረታዊን ተቛዉሞ እዉን ብከፊሉ መግትኢ ተገይርሉ እቲ ውጥን ኣብ መስርሕ ከምዘሎ እዩ ክዝረብ ጸኒሑ።

ክሃንጽዎ ዝጸንሑ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ነቲ ብጉዳይ ዋንነት መሬት ወልቃይት-ጸገዴ ፡ካብ ትግራይ ይኹን ፈደራላዊ መንግስቲ ክመጽእ ዝኽእል ጸቕጢ ኣብ ምብዳህ ኪጠቅም እዩ ዝብል ርድኢት ኣጥርዮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ነዚ ጀሚሩ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሃገራዊ መሳርዕ ፖሊስን ሰራዊትን ናይ ምጽንባር መደብ ፍጹም ኪወሓጠሎም ከምዘይኮነ ተነጊሩ እዩ።