ሕጂ’ዉን ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ፍኑው ካብ ዝኾነ ኣካይዳታት ክቚጠቡ ምንጭታት ኤሪሳት ካብታ ከተማ ደጊሞም ሓቢሮም።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዘሎ ህዝባዊ ኣጠማምታ ዕለታዊ ይሽሕክር ምህላዉ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፣ ነበርቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ወገናትና ኣብ ዉልቃዊ ይዂን ንግዳዊ ንጥፈታቶም ጥንቃቐታት ከቐድሙ ከምዝግባእ ኣቐዲሞም ሓቢሮም እዮም።

ገለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ናይ መን ከይትንክንፈና መንፈስ ኣጥርዮም፡ ንምስሊን ድሕነትን ናይ ዝበዝሐ ወገን ኣብ ሓደጋ ዘውድቚ ንጥፈታት ከተግብሩ ይደፍሩ ከምዘለዉ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ህዝቢ ኣዲስኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዝጸንሖ ኣኽብሮት ንኽሃስስ ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ ምህላዎም የጠንቅቑ።

መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኤርትራን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ መሪሕነትን ዝጸንሖ ኣጠማምታ ብዉሽጢ ዉሽጢ ኣሉታዊ መልክዕ ይሕዝ ምህላዉ ዝሕብሩ እቶም ምንጭታት፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቕመጡ ኤርትራዉያን ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዮም ኣብ ምንቅስቓሶቶም ጥንቃቐ ከቐድሙ ኪላበዉ ጸኒሖም እዩ።

ብዙሓት ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ ፡ ኩነታት ከምቲ ኣብ እዋን ምዉቕ ምሕዝነት ኣቢይን መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ዝነበሮ ከይተቐየረ ይቕጽል ይመስሎም ምህላዉ ዝሓበሩ’ቶም ምንጭታት፡ እቶም ኤርትራዉያን ካብዚ ርድኢት እዚ ግልል ኢሎም ብጥንቃቐ ክናበሩ ተላብዮም።

ህግደፍ ንህዝቢ ክልል ኣምሓራ ይደጋገፍ ስለዘሎ፣ እቲ ምስ ህዝቢ እታ ክልል ኣብ ምትፍናን ዝርከብ ፈደራላዊ መንግስቲ ንኤርትራዉያን ዜጋታት ከም ስግኣት ክጥምቶም ልዑል ተኽኣሎ ምህላዉ ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት ኣብ መወዳእታ፣ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነዚ ኣስጋኢ ተኽእሎ ተወሳኺ ምኽንያት ክኾኑ ኣብ ዘኽእሉ ምንቅስቓሳት ከርሕቑ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

ብዘይካ’ዚ ፣ ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ንንግዳዊ ንጥፈታት እታ ከተማ ኣብ ሓጺር እዋን ክዕብልልዎ ከምእተራእዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ በቲ ጉዳይ ፈደራላዊ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነ ጽልዋ ዘለዎም ኢትዮጵያዉያን ነጋዶ ዘይዕጉብነቶም ከርእዩ ምጽንሖም ኣይርሳዕን።