ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝሃድሙ ዘለዉ ኤርትራዉያን ኣብ ዶባት ይኽልከሉ ምህላዎም ተሓቢሩ።
ኣብ ሱዳን ካብ ኩናት ሓድሕድ ሂወቶም ንምድሓን፡ ካብ ከተማ ካርቱም ዝሃድሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቁጽሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርከተ ይመጽእ ኣሎ ። ብኡ መንጽር ድማ ሽግራቶም እናዓበየን ዝሓልፍዎ ግዑዞን መስገደልን ንሂወቶም ዝፈታተን እንዳኾነን ፣ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ይርከቡ ኣለዉ ።
ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኩናት ንምምላጥ ናብ ኢትዮጵያ ዘምርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ንኸይኣትዉ ኣብ በረኻታት መተማ ተዓጊቶም ይርከቡ ኣለዉ ። እቲ ምዕጋት ፣ ንኤርትራውያን ጥራይ ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ እዉን ተረጋጊጹ ኣሎ።
ሱዳናውያን ፡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ዝኾኑ ተፈናቐልቲ ናብ ኤትዮጵያ ንኽኣትዉ ክፍቀደሎም ከሎ ፣ ኤርትራውያን ግን ኤምባሲኹም ኸይነሕልፈኩም ከልኪልኩም ኣሎ ብዝብል ብኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ይጓነዩ ከምዘለዉ ካብ’ቶም ስደተኛታት ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድ።
እዞም ንከባቢ 3 መዓልታት ኣብ በረኻታት ዶባት ኤትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ቃልዕ ተደርብዮም ዘለዉ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ኣስታት 200 ኤርትራውያን ፡ ብሕጽረት መግቢን ማይን ተጣሪዖም ኩነታቶም ዝበኣሰ መልክዕ ከይሓዘ ፣ ብዝምልከቶም ወገናት ኣቃልቦ ኪወሃቦ ይላበዉ ኣለው ።