መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕለይን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ዕልዋ ወጢኖም ንዝበሎም ዉልቀሰባት ይቕይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ሓይሊ ዕማም ጸጥታን ድሕነትን እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፣ ነቶም ኣብ ዉሽጥን ግዳምን ተወዳዲቦም ዝተራቐቐ ዕልዋ ከቃንዑ ዝሓሰቡ ወገናት ሽርሖም ቀልጢፉ ኣለሊዩ ከምዝቐደሞም ሓቢሩ ኣሎ።

ዛጊት ልዕሊ 50 ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ፣ ንልዕሊ 10 ካልኦት ድማ ይደልዮም ከምዘሎ ዝሕብር እቲ ሓይሊ ዕማም፣ ኣብ ስደት ኮይኖም ኣብ’ቲ ዉዲት ብመሪሕነት ክነጥፉ ዝጸንሑ ወገናት እዉን ምስ መንግስታት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራትን ምስ ኣህጉራዊ ፖሊስ ማለት ኢንተርፖልን እንዳተዘራረበ ናብ ኢዱ ክርከብዎ ይሓትት ምህላዉ ኣነጺሩ።

ሃብትን ንብረትን ናይቲ ነቲ ዝተራቐቐ ዕልዋ ከቃንዑ  ጸኒሖም ዝተባህሉ ዉልቀሰባት ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምጽናሑ እዉን መርመራታትን ክትትልን ይሕይል ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ፖለቲካዉያን ኣይልታት ክልል ኣምሓራን ዝምድናታት ክሕርፍፍ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ጸገም ድሕሪ ተበግሶ ዳግመ ስርርዕ ፍሉይ ሓይሊ ናብ ዝበኣሰ ብርኪ ደዪቡ ከምዘሎ ይንገር።

ንሕገመንግስቲን ክልላዊ ምሕደራን እታ ክልል ጨዉዮም ሓይሊ ንምምንዛዕ ኣብ ልዕሊ ዝጓየዩ ዘለዉ ወገናት ብስም ህዝቢ ኣምሓራ ሕንፍሽፍሽ ንምፍጣር ዘካይድዎ ዘለዉ ሽርሒ ኣደብ ንምትሓዝ ክስራሕ ተጀሚሩ ከምዘሎ እቲ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን፣ ሓይልታት ምክልኻል፣ ከምኡ’ዉን ፈደራል ፖሊስ ዘካተት ሓይሊ ዕማም ገሊጹ እዩ።

ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ክፍልታት ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክልል ኣምሓር ጥሩፋዊ ሽበራ የራብሑ ኣለዉ ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ወገናት ኣራሚ ስጉምቲ ክወስድ ምጅማሩ ዝሓበረ፣ ሒደት መዓልታት ድሕሪ ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ኣብታ ክልል ብዕጡቓት ወገናት ምቕታሉ እዩ።

ቅትለት ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ፣ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት እታ ክልልን ፈደራላዊ መንግስትን ብጉዳይ ዳግመ ስርርዕ ፍሉያት ሓይልታት ዝርአ ዘሎ ምትፍናን ናብ ዝበኣሰ ሸነኹ ከብሎ ከምዝኽል ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ክግምቱ ቀንዮም እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ኣብ ዘካፈሎ ሓበሬታ ፣ ቅትለት እቲ በዓል ስልጣን ውጹእ ግብረሽበራዊ ተግባር ከምዝኾነ እዩ ጠቒሱ፣ ጸጥታዊ ሃጓፋት ክልል ኣምሓራ ንምምሕያሽ ዝተወሃሃደ ወፍሪ ክትግበር ምዃኑ ኣጠንቂቚ ኔሩ።

ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ስልጣን ዝተወሰደ ብረታዊ ስጒምቲ በቶም ንምኽታም ፍሉይ ሓይሊ እታ ክልል ዝቋወሙ ገለ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተቓንዐ ክኸዉን ይኽል እዩ ዝብሉ ወገናት ፣ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ እዉን ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝሕይል ዘሎ ህዝባዊ ምዕዝምዛማት ንምቚጻይ ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ክወስድ ምኽኒት ንምርካብ ነቲ ቅትለት ፈጺምዎ ከይከዉን ስክፍታ ከምዘለዎም ኣዮም ዝግምቱ።