ቅልዉላዉ ሱዳን በዚ ዝኸዶ ዘሎ ናህሪ ፣ ኣብታ ሃገር ካብቲ ኣብ ከም ሊብያን ሶርያን ዝተራእየ ዉድቀት ዝብእስ ኩነታት ከጋጥም ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበር ዓብደላ ሓምዶክ ኣጠንቂቚ።

እቲ ፖለቲከኛ ኣብ መጠንቀቕታኡ ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዝራጸሙ ዘለዉ ሱዳናዉያን ወገናት ልዑል ቊጽሪ ብስርዓት ዝተዓለመ ሰራዊት ዝዉንኑ ብምዃኖም እቲ ግጭት ቅልጡፍ መግትኢ እንተዘይተጌርሉ ፣ ካብ ሱዳን ኣሊፉ ጠንቂ ዞባዊ ሕንፍሽፍሽ ክኸዉን ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ የተሓሳስብ።

ሓይልታት ጀነራል ኣልቡርሃንን ጀነራል ሕመቲን ኣቲዮሞ ዘለዉ ኲናት ነታ ብዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ባህላውን ምትህልላኽ ዜጋታታ እትልለ ሱዳን፣ መምለሲ ናይ ዘይርከቦ ጥፍኣት ክሸማ ከምዝኽእል ዘገንዘበ ዓብደላ ሓምዶክ፣ ማበረሰብ ዓልም ነዚ ነዊሕ መዘዝ ኪህልዎ ዝኾነ ኲናት ብኣጋኡ ደዉ ዝብለሉ ኣማራጺታት ከካዉን ተላብዩ ኣሎ።

እቲ ኣብ ሱዳን ክልተ ሰሙን ኣሕሊፉ ዘሎ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዘውርዶ ዘሎ ዕንወት ይተዓጻጸፍ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ዝሓለፈ ሓሙስ ንተወሳኺ 72 ሰዓታት ተኣትዩ ዝተባህለ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ነዊሕ ከይጸንሐ ክጠሓስን ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ነቚጣታት ሓመቲ ናይ ኣየርን ከቢድ ብረትን ደብዳባት ከጽዕቚን ከምዝተራእዩ ይንገር ።

ከተማ ካርቱም ዕለታዊ ትዓኑ ከምዘላ ዘተሓሳስቡ እቶም ጸብጻባት፣ እቲ ግጭት ናብ ካልኦት ሸነኻት እታ ሃገር ይልሕምን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት ይዛይድን ከምዘሎ እዮም ዝሕብሩ። በዚ መሰረት ቊጽሪ ናይቶም ካብ ሱዳን ኣምሊጦም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘምርሑ ዘለዉ ዜጋታትን ወጻእተኛታትን ብርኡይ ይዉስኽ ኣሎ።

ተዂሲ ደዉ ናይ ምባል ስምምዕ ክናዋሕ ካብ ዝጽዕራ ዘለዋ ሃገራት ፣ ኣመሪካን ስዑድን ብቐዳምነት ዝጥቀሳ ኮይነን፣ እቲ ስምምዕ ነባሪ ፍታሕ ክርከበሉ ናብ ዘኽእል ዘተ ሰላም ንምምራሑ ሓያለ ወገናት ይጓየዩ ምህላዎም ይፍለጥ።

ብዘይካ’ቲ ኢጋድ ኣብ ከተማ ጁባ ዘቃንዖ ዘሎ ዘተ ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እዉን ናብ ክልቲኦም ወተሃደራዉያን መራሕቲ ሱዳን እንዳተደዋወለ ሃገሩ ናይ ምሽምጋል ተራ ክትጻወት ቅርብቲ ከምዘላ ምሕባሩ ይንገር።

በቲ ኲናት ናይ ዝሞቱን ዝቘሰሉን ሰባት ብዝሒ እዉን ብኣሰካፊ መልክዕ ይዉስኽ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ዛጊት ልዕሊ 500 ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ ኣሽሓት ካልኦት ምቚሳሎም ይንገር። ብመሰረት ሓበሬታ ማሕበር ሓካይም ስዳን፣ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ትካላት ጥዕና ከተማ ካርቱም በቲ ኲናት ስራሐን ደዉ ኣቢለን ብምህላወን ንጹር ኣሃዝ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ሃስያን  ንምፍላጥ ኣሸጋሪ ከምዝኾነን በቲ ኲናት ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ሰባት ቊጽሪ ካብ’ቲ ብወግዒ ዝንገር ዘሎ ከምዝዛይድን የረድኡ።