ኣብ ከተማ ዳላስ ብ18 ለካቲት ዝጀመረ ዑደት ኤሪሳት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ድሕሪ ምብጻሕ ናብ 11 ከተማታት ማለት ዳላስ፡ዲንቨር፡ላስቪጋስ፡ ኦክላንድ፡ ስያትል፡ ኣትላንታ፡ ዲሲ፡ ዊኒፔግ፡ሚንያፖሊስ፡ኤድመንተን ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ብዓወት ተዛዚሙ።
ኣባላት ኤሪሳት ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ብመንእሰያትን ዓበይቲ ኣቦታትን ኣዴታትን ዝተገብሮሎም ድሙቅ ኣቀባብላን ሞራላውን ገንዘባውን ሓገዝ መዳርግቲ ኣልቦ ነይሩ። ኣባላት ኤሪሳት ክኣትዉ ከለዉ ኣቦታትን ኣዴታትን ብኸበሮ ባህሊ ዓድና ተሰንዮም “ሰስኑ ሰስኑ ሽሕን ዋላትን ኩኑ” እንዳበሉ ድምቁ ኣቀባብላ ገይረምሎም።
ኣብቲ ዝሰዓበ ናይ እንቃዕ ደሓን መጻእኹም መልእክቲ ብኣምባሳደር ኤሪሳት ኣብ ቶሮንቶ ኣቶ ትኩእ ተስፋይ ድሕሪ ምቅራቡ፡ ኣደ መንበር ኤሪሳት ዶር ሳባ ተስፋዮውሃንስ ሓጺር መእተዊ ብዛዕባ ዕላምን፡ ተልእኾን ራእን ኤሪሳት ንተሳተፍቲ ኣቅሪባ።
ካብኡ ብምቅጻል ኣባላት ቲቪ መለይ መንእሰያት ደጀን ገሬን ብዛዕባ ዕላማ ቲቪ መለይን ውድቦምን ንህዝቢ ሓበሬታ ሂቦም። ኣብ መወዳእታ ኣካያዲ ስራሕ ኤሪሳት ኣቶ ሄኖክ ተኽለ ሰፊሕ መግለጺ ብዛዕብ ኤሪሳት ኣብ ዝሓለፈ 4 ዓመት ዝዓመመቶ ስራሕን ዘሎ ብድሆታት ናይ ዓቅሚ ሰብን ፋይናንስን ንተሳተፍቲ ኣቅሪቡ።
ብድሕርዚ ደለይቲ ፍትሒ ዝነበሮም ሕቶታትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ናብ ኣካይድቲ ኤሪሳት ኣቅሪቦ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኤሪሳት ካብዚ ዘላቶ ንክትዓብን ክትድንፍዕን ኩልንትናዊ ሓገዝ ክገብሩ ዘለዎም ቅርቡነት ብምግላጽ ንዘሎ ገንዘባዊ ሕጽረት ኤሪሳት ንምድራዕ ከባቢ 14 ሽሕ ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ኣበርኪቶም።
ኣብ ናይ ከተማ ኤድመንተን ዑደት’ዉን ፣ ኣካየድቲ ስራሕ ኤሪሳት ምስ ደለይቲ ፍትሒ ዕዉት ዝኾነ ልዝብ ኣካይዶም። ደለይቲ ፍትሒ ኤድመንተን ኣባላት ኤሪሳት ናብ መድረኽ ክኣትዉ ከለዉ ብሓባር ኤሪሳት ድምጺ ውጹዓት እንዳበሉ ክቅበልዎም ከለዉ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ ኣቶ ሳሚኤል ሃብተማርያም ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም መልእክትን ግጥምን ኣቅሪቡ።
ኣባላት ኤሪሳት ብደልይቲ ፍትሒ ኤድመንተን ዝተዳለወ ስም ኤሪሳት ዘለዎ ምቁር ሕብስቲ በታ መልለይቲ ኤሪሳት ዝኮነተ ዜማ ተዓጂቦም ቆሪሶሞ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣደ መንበር ኤሪሳት ዶር ሳባ ተስፋዮውሃንስ ሓጺር መእተዊ ብዛዕባ ዕላምን፡ ተልእኾን ራእን ኤሪሳት ንተሳተፍቲ ኣቅሪባ። ካብኡ ብምቅጻል ኣባላት ቲቪ መለይ መንእሰያት ደጀን ገሬን ብዛዕባ ዕላማ ቲቪ መለይን ውድቦምን ንህዝቢ ሓበሬታ ሂቦም። ኣብ መወዳእታ ኣካያዲ ስራሕ ኤሪሳት ኣቶ ሄኖክ ተኽለ ሰፊሕ መግለጺ ብዛዕብ ኤሪሳት ኣብ ዝሓለፈ 4 ዓመት ዝዓመመቶ ስራሕን ዘሎ ብድሆታት ናይ ዓቅሚ ሰብን ፋይናንስን ንተሳተፍቲ ኣቅሪቡ።
ብድሕርዚ ደለይቲ ፍትሒ ዝነበሮም ሕቶታትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ናብ ኣካይድቲ ኤሪሳት ኣቅሪቦ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኤሪሳት ካብዚ ዘላቶ ንክትዓብን ክትድንፍዕን ኩልንትናዊ ሓገዝ ክገብሩ ዘለዎም ቅርቡነት ብምግላጽ ንዘሎ ገንዘባዊ ሕጽረት ኤሪሳት ንምድራዕ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣበርኪቶም።