በጋጣሚ’ቲ ብ3 ግንቦት ዝተዘከረ ኣህጉራዊ መዓልቲ ነጻ-ፕረስ፣ ሓያሎ ተሓለቕቲ ሰብኣዉነት ብፍላይ ድማ ንነጻ ፕረስን መሰል ጋዜጠኛታትን ዝጣበቓ ማሕበራት ጉጅለ ህግደፍ ኣሲርዎም ንዘሎ ኤርትራዉያን ጋዜጠኛታት ክፈትሕን ኣጊድዎ ንዘሎ ነጻነት ፕረስ ክኸፍትን ጸዊዐን።

ንቀይዲ-ሓበሬታ ዝመዝናን ዝከታተላን ኣህጉራዉያን ኣካላት ናብ መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝልእኽኦ ዘለዋ መጸዋዕታታት፣ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ነጻነታት ፕረስን ዘለዎ ኣተሓሕዛ ትረቱ ከየዝለቐ ይቕጽል ከምዘሎ ብምውቃስ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣሲረምዎም ዘለዉ ዓሰርተታት ጋዜጠኛታት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፈትሑ የተሓሳስባ ኣለዋ።

ብዘይ’ካዚ ፡ እተን ኣህጉራዉያን ትካላት ንኣስማት ናይቶም ኣብ 2001 ድሕሪኡን ተኣሲሮም ዛጊት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ኤርትራዉያን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብዝርዝር እንዳጠቐሳ፥ ጉጅለ ህግደፍ ንመሓውራት ነጻ ፕረስ ብምምቋሕ ሰብኣዊ መሰላትን ደሞክራስያዊ ዕቤትን ሃገርን ህዝቢን ኤርትራ ንምቕታል ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳታት ኣብ ዝሓጸረ ደዉ ከብል ንማሕበረሰብ ዓለም ክጽዉዓ ቀንየን ኣለዋ።

ብጉጅለ ህግደፍ እትምራሕ ዘላ ኤርትራ፡ ኣብ’ቶም ከም ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፣ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ፣ ፍሪዶም ሃውስ፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ኣህጉራዊ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ዓመታዊ ዘውጽእዎም ጸብጻባት፣ ኣብ ምሕደራ ነጻ ፕረስን ኩሉ ዓይነታዊ መሰላት ደቂ-ሰብን ዝተሓተ ደረጃ ወኒና ትቕጽል ከምዘላ ይፍለጥ።

ኣብ ዊንድ-ሆክ ርእሰከተማ ናይ ናሚብያ ብ 1991 ኣብ ዝተቓንዐ መበል 26 ዋዕላ ዪነስኮ ፡ ሓያለ መትከላት ነጻ-ፕረስ ኣስፊሩን ብኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ተሰኒዱን ዝቐረብ እማመ፡ ኣብ 1993 ብሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ፣ እቲ እማመ ብኣዋጅ-ዊንድሆክ ተጸዊዑ 3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓለቲ ነጻ ፕረስ ኽትከዉን ከምእተወሰነ ይፍለጥ።

ሓደ ዓመት ቅድሚ ኤርትራ ነጻነታ ዝረኸበት ናሚብያ ብምኽባር ነጻነት ፕረስ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ኣብ ዓለም ድማ ንሓያሎ ሃገራት ምዕራብ መሪሓ ምስ ቀዳሞት 30 ሃገራት ተሰሪዓ እንዳኸደት፣ ጉጅለ ህግደፍ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ ግን ብሰሜን ኮርያ’ኳ ተቐዲማ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ትረከብ ኣላ።