ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክዛተዩ ከምተሰማምዑ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮከር ፖርተዝ ብ1 ግንቦት ንማዕከን ዜና ኣሶሼት ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ክልቲኦም ወገናት ንሰላማዊ ዝርርብ ወኪላት ክሰዱ ተሰማሚዖም ከምዘለዉ ጠቒሱ፣ መዓስን ኣበየነይቲ ከተማ ናይ ስዑዲ ዓረብን ክራኸቡ ምዃኖም ግን ኣየነጸረን።
ሕቡራት ሃገራት ነዚ ዝገልጽ ዘሎ ፣ ንሳልሳይ ግዜኡ ዝተናዉሐ ናይ 72 ሰዓታት ምቊራጽ ተዂሲ ብቐጻሊ ይጠሓስ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንካልኣይ ግዜኡ ተናዊሑ ዝነበረ እቲ ስምምዕ ፣ ሓይልታት ጀነራል ኣልቡርሃን ከምተቐብልዎ እኳ እንተገለጹ ፣ ጀነራል ሓመቲ ግን ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ደዉ ክሳብ ዘይበለ በቲ ስምምዕ ክቕየድ ከምዘይግደድ ሓቢሩ ኔሩ።
ኣብ ካርቱም ብሰራዊት መንግስቲ ዝካየዱ ደብዳባት ነፈርቲን ከበድቲ ብረትን ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፣ ንሳልሳይ ግዜኡ ተናዊሑ ዘሎ ምቊራጽ ተዂሲ ኣብ ባይታ ዘምጽኦ ርኡይ ለዉጢ ከምዘየለ እዮም ዘረድኡ።
እዚ ኣብ ስዑድያ ኪካየድ እዩ ዝበሃለሉ ዘሎ ዘተ ሰላም ፣ ድሕሪ’ቲ ብምትእኽባብ ኢጋድ ኣብ ከተማ ጁባ ተመዲቡ ዝነበረ እሞ ዘይቀንዐ ዘተ ሰላም ዝስዕብ ዘሎ እዩ።
በቲ ኣብ ሱዳን ዝብእስ ዘሎ ኲናት ኣስታት 800 ሽሕ ሰብ ክሳደድ ተኽእሎ ከምዘሎ ቤትጽሕፈት ምዉጋድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ታ ሃገር ኣጠንቂቚ። ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ሱዳን ዝበኣሰ መልክዑ ክሕዝ ከምዝኽል እዩ እቲ ኣህጉራዊ ኣካል ዝእምት ዘሎ።
ካብ’ቲ ኣብ ማእከላይ ከባቢታት ሱዳን ብሓፈሻ ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን ድማ ብፍላይ ጽዒቚ ዘሎ ኲናት ኣርሒቖም ናብ ዝሓሸ ርግኣት ዘለዎ ከባቢታት እታ ሃገርን ጎረባብቲን ሃገራትን ናይ ዝዑቀቡ ዘለዉ ሰባት ብዝሒ ዕለታዊ ይዛይድ ምህላዉ ዘመልከተ እቲ ቤትጽሕፈት፣ እቲ ኲናት ናብ መላእ ሱዳን እንተሊሕሙ ካብ’ቲ ሃገር ኪዉሕዝ ዝኽእል ብዝሒ ስደተኛት ዝተዓጻጸፈ ከምዝኸዉን እዩ ዘጠንቅቕ።