ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ን7 መዓልታት ዝቕጽል ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ከምተሰማምዕሉ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ገሊጹ።

ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ዝወጽአ መግለጺ ከምዘነጽሮ፣ ፕረዚደንት ሳልቫኬር ምስ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ብተሌፎን ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ናብቲ ስምምዕ ከምተበጽሐ እዩ ሓቢሩ ።

ክልቲኦም ወገናት ንነጥብታት እቲ ካብ 4 ክሳብ 11 ግንቦት ዝቕጽል ምቊራጽ ተጻብኦ ተቐቢሎም ከምዘለዉ እዩ እቲ መግለጺ ዘነጽር።

እቲ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ፣ ከምቶም ኣቐዲሞም ዝተኣትዉ ናይ ሳልስቲ ስምምዓት እንተዘይ ተጣሒሱ ፣ ነቲ ኣብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ሱዳን ብሓፈሻ ካርቱምን ከባቢኣን ድማ ብፍላይ ሓሲሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ንምዝላቕ ልዑል ተራ ክህልዎ ከምዝኾነ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዝበቲ ዝሕብሩ።

በቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ዝሃድሙ ዜጋታትን ወጻእተኛታትን ቊጽሪ ዕለታዊ ይዛይድ ከምዘሎ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ፣ ዛጊት ልዕሊ 40 ሽሕ ናብ ግብጺ፣ ልዕሊ 30 ሽሕ ናብ ጫድ፣ ልዕሊ 27 ሽሕ ናብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣስታት 6,000 ናብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ከባቢ 10 ሽሕ ተፈናቐልቲ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ኣቢሎም ከምዘለዉ እዩ። እቲ ትካል ናብ ኤርትራ ኣምሪሑ ናይ ዘሎ ቊጽሪ ተመዛብለቲ ወግዓዊ ሓበሬታ ክረክብ ብምዘይምኽኣሉ ዛጊት ዘካፈሎ ጸብጻብ የለን።

በቲ ኣብ ሱዳን ዝብእስ ዘሎ ኲናት ኣስታት 800 ሽሕ ሰብ ክሳደድ ተኽእሎ ከምዘሎ ቤትጽሕፈት ምዉህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ታ ሃገር ኣጠንቂቚ እዩ።

ካብ’ቲ ኣብ ማእከላይ ከባቢታት ሱዳን ብሓፈሻ ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን ድማ ብፍላይ ጽዒቚ ዘሎ ኲናት ኣርሒቖም ናብ ዝሓሸ ርግኣት ዘለዎ ከባቢታት እታ ሃገርን ጎረባብቲን ሃገራትን ናይ ዝዑቀቡ ዘለዉ ሰባት ብዝሒ ዕለታዊ ይዛይድ ምህላዉ ዘመልከተ እቲ ቤትጽሕፈት፣ እቲ ኲናት ናብ መላእ ሱዳን እንተሊሕሙ ካብ’ቲ ሃገር ኪዉሕዝ ዝኽእል ብዝሒ ስደተኛት ዝተዓጻጸፈ ከምዝኸዉን እዩ ዘጠንቅቕ።

ብዘይካዚ ፣ ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክዛተዩ ከምተሰማምዑ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ እዩ። ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮከር ፖርተዝ ብ1 ግንቦት ንማዕከን ዜና ኣሶሼት ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ክልቲኦም ወገናት ንሰላማዊ ዝርርብ ወኪላት ክሰዱ ተሰማሚዖም ከምዘለዉ ሓቢሩ ኔሩ።

እዚ ኣብ ስዑድያ ዝካየድ ዘተ ሰላም ፣ ድሕሪ’ቲ ብምትኽባብ ኢጋድ ኣብ ከተማ ጁባ ተመዲቡ ዝነበረ እሞ ዘይቀንዐ ዘተ ሰላም ዝስዕም ዘሎ እዩ።