መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ንእዋናዊ ኩነታት ሱዳን ኣመልኪቱ ዘካየዶ ቃለመሕትት፣ ሓንቲ ሃገር ካብ ምልኪ ወጽያ ናብ መድረኽ ስርዓተ ሕጊ ክትበቅዕ ናይ ሰራዊታ ተራ ልዑል ምዃኑ ዘመላኽት ዘረባ ከይተረድኦ ኣምሊቚ።

ሓይልታት ምክልኻል ሓንቲ ሃገር ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ኮይኖም ንድሌትን ባህጊን ህዝቦም ከተግብሩ ሓላፍነት ከምዘለዎም ንናይ 2019 ኩነታት ሱዳን እንዳተረኸ ኪመክር ዝተሰምዐ እቲ መራሒ ጉጅለ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ምስጓግ ምልኪን ምዉሓስ ቅዋማዊት ኤርትራን ብዛዕባ ክህልዎ ዝኽእል ዕዙዝ ተራ ብተዘዋዋሪ ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ፡ ሃገር ካብ ግዳም ንዝመጽእ ተጻብኦ ምድሓን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝኽሰቱ በደላት ኸዐሪ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ከምዝኾነ ፣ ነቲ ኣብ ሃገር ኪንዮ ምሕደራዊ ውድቀት ኣብ ምብራስ ሃገር ተኺሉ ክሰርሕ ዝርከብ ስማዊ ፕረዚደንት ኢሳያስን ዓንኬላቱን ኣብ ምእላይ ድማ ዝለዓለ ተራ ከምዘለዎ ካብ ህዝቢ ተደጋጋሚ ጻዉዒት ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።

እቲ መራሒ ጉጅለ ኣብቲ ንተራጸምቲ ሱዳን ብርሑቕ ከምዝፈልጦምን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሱዳን ዝኾነ ኢድ ከምዘይብሉ  መሲሉ ዝተዋስኣሉ ቃለ መሕትት፣ ነቲ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዝኡ ዝነበረ ዑመር ኣልበሽር እዉን ከም ሕሉፍ ጸላኢ ከቕርቦ እዩ ተራእዩ። እቲ መራሒ ፣ ጉዳይ ሱዳን ሓለፋ ካልኦት ጎረባብቲ እዚ ዞባን ማሕበረሰብ ዓለምን ከምዝምልከቶ ዘዉክኡ ዕላላት እዉን ከምዘምሎቜ ተፈሊጡ ኣሎ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ቊጽጽር ንምእታዉን ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዉያን ሕቶታት ንኸየለዓዕልን ፣ ሓደስቲ ዞባዉያን ምኽንያታት ሃሰዉ ክብል ምዃኑ ክግመት ዝጸንሐ ኮይኑ፣ እቲ መራሒ ነዚ ኣብ ምጉሃሩ ልዑል ተራ ዝነበሮ ኲናት ሱዳን ከም ሓድሽ ስግኣት ኣቐሚጡ ንምምሕዳሩን፣ ኤርትራ ገና ኣብ ስግኣት ኣላ ብምባል ካብ ቀንዲ ሃገራዉያን ዛዕባታት ንምሕባእን ዝጓየ ዘሎ ይመስል።