ፕሮግራም መግቢ ዓለም ነቲ ናብ ክልል ትግራይ ክሰዶ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ረድኤት ንግዜኡ ከምዘወንዘፎ ሓቢሩ።
እቲ ትካል ነዚ ዝሓበረ፣ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ብዛዕባ ኣብ’ቲ ክልል ገኒኑ ዘሎ ስርቂ ሰብኣዊ ረድኤት ድሕሪ ምሕባሮም መርመራ ኪቃናዕ ብምምራጹ እዩ።
እቲ ትካል ካብ ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቲ ኣካላትን ንዝመጽእ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምምቕራሕ ሓላፍነት ሒዙ ዘሎ ኮይኑ ፣ ኣብ’ቲ 5 ሚልዮን ህዝባ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኢት ኮይኑ ዝርከብ ክልል ትግራይ ሳዕሪሩ ዝበሃል ዘሎ ስርቂ ረዲኤት ተመርሚሩ ፍታሕ ክሳዕ ዝርከብ ናብ ትግራይ ዘምርሖ ረድኤት ከወንዝፎ ተገዲዱ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ክልተ ካብ’ቶም ብዛዕባ እቲ ገኒኑ ዘሎ ስርቂ ዝመስከሩ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንማዕከን ዜና ኣሶሼት ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ሕበሬታ፣ ኣብ ከተማ ሸራሮ ካብ ዝርከብ መኽዘን ጥራይ ንከባቢ 100 ሽሕ ሰባት ከዐንግል ዝኽእል ረድኤት ከምተሰርቀ የረድኡ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ምስ ሓለፍቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ ተራኺቡ ብዛዕባ እቲ ብዘይግቡእ ዝባጻሕን ዝሽየጥን ዘሎ ሰብኣዊ ረድኤት ተዘራሩቡ ምንባሩ እዉን ይንገር።