ብመጠን ዘለዋ ብዝሒ ህዝቢ፣ ኤርትራ ኣብ ዓለም እታ ዝለዓለ ቊጽሪ ሰራዊት እትዉንን ሃገር ምዃና፣ ትዌንቲፎር ዎልስትሪት ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ብኣህጉራዊ ትካል ስትራተጂካዊ መጽናዕትታ ንዝወጽአ ኣሃዛዊ ርኽበት ወተሃደራዊ ሚዛን 2022 ምርኩስ ብምግባር ኣረዲኡ።
ኣብዚ ግዜ’ዚ ልዕሊ 3.6 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብራ ኤርትራ ብውሑዱ 202,000 ንጡፍ ሰራዊት ከምትዉንን ዝጠቐሰ እቲ መርበብ ሓበሬታ፣ እዚ ማለት ድማ ካብ ነፍሲ ወከፍ 1000 ኤርትራዉያን እቶም 55 ንጡፋት ኣባላት ሰራዊት ምዃኖም የብርህ። እዚ ኣሃዝ እዚ ምስ’ታ 4 ካብ 1000 ዜጋታታ ጥራይ ንጡፋት ኣባላት ሰራዊት ዝኾኑ ኣመሪካ ኪነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ልዑል እዩ።
ብመንጽር ስፍሓት መሬተን፡ ዝለዓለ ቊጽሪ ንጡፍ ሰራዊት ካብ ዝዉንና ሃገራት እዉን ኤርትራ ኣብ መበል 22 ደረጃ ምህላዋ እቲ መጽናዕቲ የረድእ። ኤርትራ ብስፍሓት መሬት ካብ 169 ሃገራት ኣብ መበል 130 ታሕተዋይ መሳልል ትስራዕ እንዳሃለወት እያ ነቲ ናይ ቀዳሞት 25 ተርታ ተጸንቢራቶ ዘላ።
ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ግዱድን ዝተናውሐን ዕስክርና፣ ዝበዝሐ ህዝቢ እታ ሃገር ብወተሃደራዊ ታዕሊም ዝሓልፍ ኮይኑ፣ ካብ’ቲ ኣብ መሳርዕ ንጡፍ ሰራዊት ዝርከብ ዜጋ እቲ ከም ዕቑር ሰራዊት ኣብ ተጠንቀቕ ኪጸንሕ ዝንገሮ ዜጋ ከምዝበዝሕ ይፍለጥ።