ዩክሬን ብ3 ግንቦት ንፕረዚደንት ፑቲን ንምቕንጻል ክልተ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ናብ ክረምሊን ልኢኻ ክትብል ትኸስስ ዘላ ሩስያ ፣ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ዩክሬን ተሪር ግብረመልሲ ኽትወስድ ከምትኽእል ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ብሩስያ ዝወሃብ ዘሎ ብዓይነቱ ዝተረረ ክሲ ፣ ክልተ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዩክሬን ናብ ህንጻ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ተመሪሐን ሓደጋ ከዉርዳ መዲበን ከምዝነበራ ፣ ኣሃዱ ስርዓተ ጸረነፈርቲ እታ ሃገር ብዝወሰዶ ቅልጡፍ ስጒምቲ ግና እተን ነፈርቲ ኣብ ናሕሲ ናይ ሓደ ካብ’ቲ ህንጻ ምስ በጽሓ ከምተቓጸላ እዩ ሓቢሩ ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ቭላድሚር ዘለንስኪ ነቲ ብሩስያ ወጽዩ ዘሎ ክሲ ሻቡ ክነጽጎ እንከሎ ፣ መንግስቲ ቭላድሚር ፑቲን ንዩክሬን ብስግኣታት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከሲሱ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ሓድሽን ዝሰፍሐን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ መዲቡ ስለዘሎ እዩ ነቲ ክሲ ዝምስርሕ ዘሎ ይብል።
ሓያለ ፖለቲከኛታት ሩስያ ፣ ድሮ ነቲ ብዩክሬን ተፈቲኑ ዝበሃለሉ ዘሎ ዛጊት ዘይተረጋገጸ መደብ ቅንጸላ ከም ምኽንያት ወሲዶም ኣብ ልዕሊ መራሒን ፖለቲከኛታትን ዩክሬን ናይ ቅንጸላ ስጒምቲ ክቃናዕን ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝኸበደ ወተሃደራዊ መቕጻዕቲ ክትግበርን ይጽዉዑ ኣለዉ።
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነቲ ብሩስያ ዝወሃብ ዘሎ ክሲ ዛጊት ከረጋግጾ ከምዘይከኣለ ጠቒሱ እቲ ክሲ ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ ከይህልዎ ግን ሃገሩ ብኣንክሮ ትከታተሎ ከምዘላ ኣረዲኡ።
ፕረዚደንት ፑቲን መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ህንጻ ቤተመንግስቲ ክረምሊን ኮይኑ ክሰርሕ ወይዉን ኣብኡ ክሓድር ከምዘይርአ ዝሕብሩ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ፣ ዩክሬን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ናብቲ ህንጻ ሰዲዳ እንተኾይና ንፑቲን ንምቕንጻል ዘይኮነ ክሳብ ማእከል ከተማ ሞስኮ ሰሊዃ ዕላማታት ከተጥቅዕ ከምትኽልን ንሰራዊትን መንግስቲን ሩስያን ንምጥንቃቕ ጥራይ ከምዝኾነ የረድኡ።