ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ክፍልታት ሃገራዊ ድሕነትን ስለያን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክልል ኣምሓር ጥሩፋዊ ሽበራ የራብሑ ኣለዉ ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ወገናት ኣራሚ ስጉምቲ ክወስድ ድሕሪ ምጅማሩ ፣ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት እታ ክልልን ምልዉዋጥ ተዂሲ ይዛይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቶም ግጭታት ኣብ ሓያለ ከባቢታት እታ ክልል ይምዝገቡ ብምህላዎም እቲ ኩነታት ናብ ሰፊሕ ኲናት ከይዓርግ እዉን ተሰጊኡ ኣሎ።

በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝዛይድ ዘሎ ግጭት ድሮ ሕያለ ሰባይ ይቕተሉ ከምዘለዉ ዝሕብሩ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፣ ኲናት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ እዉን ክድገም ከምዝመስል የረድኡ። ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብርዎ ከምዘለዉ እዉን ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ’ቲ ምስ ሕይልታት ኣምሓራ እንዳተላፈነ ክሕልዎ ዝጸንሐ ከባቢታት ወልቃይት፣ ጸገዴን ሑመራን የወጽእ ከምዘሎ እዩ።

መንግስቲ ፈደራል ሒደት መዓልታት ድሕሪ ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ኣብታ ክልል ብዕጡቓት ወገናት ምቕታሉ፣ ነቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ከምዝጀመረ ብወግዒ ሓቢሩ እዩ።

ንሕገመንግስትን ክልላዊ ምሕደራን እታ ክልል ጨዉዮም ሓይሊ ንምምንዛዕ ኣብ ልዕሊ ዝጓየዩ ዘለዉ ወገናት ብስም ህዝቢ ኣምሓራ ሕንፍሽፍሽ ንምፍጣር ዘካይድዎ ዘለዉ ሽርሒ ኣደብ ንምትሓዝ ክስራሕ ተጀሚሩ ከምዘሎ እዩ እቲ ሃገራዊ ድሕነትን ስለያ፣ ሓይልታት ምክልኻል፣ ከምኡ’ዉን ፈደራል ፖሊስ ዘካተት ሓይሊ ዕማም ዘተሓሳስብ።

ቅትለት ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ፣ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት እታ ክልልን ፈደራላዊ መንግስትን ብጉዳይ ዳግመ ስርርዕ ፍሉያት ሓይልታት ዝርአ ዘሎ ምትፍናን ናብ ዝበኣሰ ሸነኹ ከብሎ ከምዝኽል ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ክግምቱ ቀንዮም እዮም።

ሓላፊ ሰልፊ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግርማ የሺቲላ ብ27 ሚያዝያ ካብ መሃል-ሜዳ ናብ ደብረብርሃን እናተጓዕዘ ኣብ መንዝ-ጉዋሳ ዝተባህለ ከባቢ ናይ ዞባ ሰሜን ሽዋ መንነቶም ዛጊት ብዘይተነጸረ ዕጡቓት ብዝተወስደሉ ብረታዊ ስጒምቲ ንሱን ኣባላት ሓለዋኡን ከምተቐትሉ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብወግዒ ገሊጹ እዩ።

ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ስልጣን ዝተወሰደ ብረታዊ ስጒምቲ በቶም ንምኽታም ፍሉይ ሓይሊ እታ ክልል ዝቋወሙ ገለ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝተቓንዐ ክኸዉን ይኽል እዩ ዝብሉ ወገናት ፣ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ እዉን ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝሕይል ዘሎ ህዝባዊ ምዕዝምዛማት ንምቚጻይ ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ክወስድ ምኽኒት ንምርካብ ነቲ ቅትለት ፈጺምዎ ከይከዉን ስክፍታ ከምዘለዎም ኣዮም ዝግምቱ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ኣባሉ ዝበጽሐ ሓደጋ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ዝሓበረ ሰልፊ ብልጽግና እዉን ኣብ ልዕሊ ፈጸምቱ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጒምቲ ክወስድ ከምዝኾነ ኣጠንቂቚ ኔሩዩ።

እቲ ንፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ መሳርዕ ፈደራላዊ ፖሊስን ሰራዊትን ኣግዒዝካ ንምምእካለን ዝተወጠነ መደብ ብዘይካ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኩለን ክልላት ብዘይዕንቅፋት ምስልሳሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተራእየ ህዝባውን ብረታውን ተቛዉሞ እዉን ብኸፊሉ መግትኢ ተገይርሉ እቲ ውጥን ኣብ መስርሕ ከምዘሎ እዩ ክዝረብ ጸኒሑ።

ኪሃንጽዎ ዝጸንሑ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ነቲ ብጉዳይ ዋንነት መሬት ወልቃይት-ጸገዴ ፡ካብ ትግራይ ይኹን ፈደራላዊ መንግስቲ ክመጽእ ዝኽእል ጸቕጢ ኣብ ምብዳህ ክጠቅም እዩ ዝብል ርድኢት ኣጥርዮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ነዚ ጀሚሩ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ሃገራዊ መሳርዕ ፖሊስን ሰራዊትን ናይ ምጽንባር መደብ ፍጹም ክወሓጠሎም ከምዘይኮነ ተነጊሩ እዩ።