ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንሸፈነ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ጸኒዖም ዝጸንሑ እገዳታት ብምስፋሕ ፣ ዝኾነ ንምርግጋእን ደሞክራስያዊ ስግግርን ሱዳን ኣብ ዝጻባእ ተግባር ዝወፈረ ዉልቀሰብ ይኹን ወገን ተወሳኺ እገዳ ክጸንዕ ወሲኑ።

ኣብ ልዕሊ ሱዳን ሓሊፎም ንዝጸንሑ ክልተ ፕረዚደንታዊ ዉሳኔታት ኣመሪካ ንምድልዳሎም ዝወሰነ ጆ ባይደን ፣ ኣብ’ቲ ብ4 ግንቦት ዝኸተሞ ሓድሽ ትእዛዝ፣ እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ልዕሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝተኻየደ ዕልዋን ሕጂ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ዝተወልዐ ሓድሽ ግጭትን ንሃገራዊ ድሕነትን ፖሊሲታት ወጻኢን ኣመሪካ ኣብ ሓደጋ ዘውድቚ ተግባራት ከምዝኾኑ ብምጥቃስ ፣ ኣብ ምብትታን ሱዳንን ምዕንቃጽ ደሞክራስያዊ ስግግር እታ ሃገርን ዝነጥፍ ኣካል ካብ መቕጻዕቲ ኣመሪካ ከርሕቕ ከምዘይኮነ እዩ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ሓድሽ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፣ ነቶም ኣብ ልዕሊ ንብረት መንግስቲ ሱዳን፣ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ሱዳን፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ንብረትን ገንዘብን’ቶም ምስ ኲናት ዳርፉር ምትእስሳር ዘለዎም ወገናትን ጸኒዖም ዝጸንሑ ክልተ እገዳታት ዘስፍሕ እዩ።

ብመሰረት እዚ ተኸቲሙ ዘሎ ሓድሽ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፣ ኣብ ጸጥታ፣ ሰላም፣ ድሕነትን መስርሕ ምስግጋር ናብ ሲቪላዊ ስርዓትን ሱዳን ኣብ ዝዕንቅፉ ተግባራት ዝሳተፉ ሱዳናዉያን ይኹኑ ካልኦት ዉልቀሰባትን ሓይልታትን ተረርቲ መቕጻዕትታት ክጸንዑ እዮም።

ብዘይካ’ዚ እቶም እገዳታት ነቶም ኣብ ገዚፍ ግህሰት ኩሉዓይነታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽዉናን ንዝወፍሩ ወገናት እዉን ዝምልከቱ እዮም።

እዋናዊ ትእዛዛት እገዳ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብቐንዱ ነቶም ኣብ ናይ ሕጂ ኲናት ሱዳን ኢዶም ዝጽንብሩ ዘለዉ ግዳማዉያን ኣካላት ንምጽላዉ ከምዝኾነ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፣ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ምስ ሩስያዊ ተዓሳቢ ጉጅለ ዋግነር ከይጻግዑ መጠንቀቕታ ምሃቡ የዘኻኽሩ።

ኣመሪካ እቲ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ኣብ ሓጺር እዋን ደዉ ክብል ከምዘይመስል እያ ትግምት። ዳይረክተር CIA ኣቭሪል ሃይነስ ንሓንቲ ካብ ኮሚተታት ሰኔት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ካብ ግዳማዉያን ሓይልታት ሓገዝ የናድዩ ብምህላዎም እቲ ኲናት ንንዉሕ ዝበለ እዋን ክቕጽል ከምዝኾነ እዩ።