ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ ኣብታ ክልል ሳዕሪሩ ዝበሃለሉ ዘሎ ስርቅን ምጥፍፋእን ሰብኣዊ ረድኤት እትምርምር ጉጅለ ከምዘጣየሰ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር እታ ክልል ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፣ ብስርቂ ረድኤት ህዝቢ ዝሕተቱ ወገናት ንምልላይን ንምቕያድን ወፍሪ ተጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።

ነዚ ዕማም ንምክያድ ኣርባዕተ ዝኣካየድታ ላዕለዎት ጉጅለ ተመስሪታ ስርሓ ጀሚራ ከምዘላ ዝሓበረ ኣቶ ጌታቸዉ፣ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ፍታሕ ክርከቦ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ እኹል ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክዉሕዝ እኳ እንተጸንሐ ፣ ህዝቢ እኹል ረድኤት ይረክብ ከምዘየሎ እዩ ዘማርር።

ብሰንኪ’ቲ ገኒኑ ዘሎ ስርቂ ሰብኣዊ ረድኤት፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን USAIDን ነቲ ናብ ክልል ትግራይ ክሰድዎ ዝጸንሑ ረድኤት ንግዜኡ ከወንዝፍዎ ምምራጾም ሓቢሮም እዮም።

ብፍላይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቲ ኣካላትን ንዝመጽእ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምምቕራሕ ሓላፍነት ሒዙ ዘሎ ኮይኑ ፣ ኣብ’ቲ 5 ሚልዮን ህዝባ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኢት ኮይኑ ዝርከብ ክልል ትግራይ ሳዕሪሩ ዝበሃል ዘሎ ስርቂ ረዲኤት ተመርሚሩ ፍታሕ ክሳዕ ዝርከብ ናብ ትግራይ ዘምርሖ ረድኤት ከወንዝፎ ተገዲዱ ከምዘሎ እዩ ገሊጹ።

ክልተ ካብ’ቶም ብዛዕባ እቲ ገኒኑ ዘሎ ስርቂ ዝመስከሩ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንማዕከን ዜና ኣሶሼት ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ሕበሬታ፣ ኣብ ከተማ ሸራሮ ካብ ዝርከብ መኽዘን ጥራይ ንከባቢ 100 ሽሕ ሰባት ከዐንግል ዝኽእል ረድኤት ከምተሰርቀ የረድኡ።