ሽበራዊ ንጥፈታት ኣልሸባብ ብርኡይ ጐዲሉ ምህላዉ ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ሓቢሩ። እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ሶማል ዘካይዶም ዝነበረ ሽበራዊ ንጥፈታት ብ80 ሚእታዊት ነክዩ ከምዘሎ ዘረድአ እቲ ካቢነ ፣ ብፍላይ እቶም ኣብ ቅንያት ጾምን በዓልን ልሙዳት ዝነበሩ መጥቃዕትታት ኣብዚ ዓመት እዚ ከምዘይተራእዩ ኣገንዚቡ።

ሰራዊት ሶማል ኣብ ልዕሊ እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ከካይዶም ብዝጸንሐ ወፍርታት ንዝበዝሓ ኣብ ኢድ እቲ ጉጅለ ዝነበራ ዓድታትን ከተማታትን ከምዝመንዝዐ ዝንገር ኮይኑ፣ ኣብ ቀረባ እዋን እዉን ነቲ ጉጅለ መሊእካ ንምድቓቕ ዝዓለመ ካልኣይ ዙር መጥቃዕቲ መዲቡ ምድላዋት ኣጻፊፉ ይርከብ።

ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ክካየድ ዝጸንሐ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ቀዳማይ ገጹ ዛዚሙ ንኻልኣይ ገጽ ስርሒት ኩሉዓይነታዊ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ፣ ኣብ’ቲ ካልኣይ ገጽ ስርሒት ድማ ፡ ኣብ ትሕቲ ኣልሸባብ ተሪፈን ዘለዋ ኩለን ዓድታት ንምምላስ ተወጢኑ ምህላዉ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገሊጹ ነይሩ።

ህዝቢ ሶማል ኣብ 2024 ካብ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ሓራ ዝኾነት ሃገር ክርከብ ምዃኑ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ዝሓለፈት ወርሒ ጥሪ ተመባጺዑ ነይሩ እዩ። ሰራዊት ሃገሩ ኣብ ምድቓቕ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ዓወታት የመዝግብ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት  እቲ ጉጅለ ክሳብ 2024 ክሰርር ከምዘይኮነ እዩ ሓቢሩ።

መንግስቲ ሶማል ኣብ ልዕሊ እቲ ሸበራዊ ጀሚርዎ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምሉእ ብምሉእ ክዕወት ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ካብ 1992 ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር ባይቶ ጸጥታ ክለዓል ይጠልብ ከምዘሎ ይፍለጥ። ዘይመንግስታዊ በዓል መዚ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ ማለት ኢጋድ ነቲ መንግስቲ ሶማል ቀዲቡ ዘሎ ጠለብ ከምዝድግፎ እዉን ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2022 ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኣባላት ሃገራት ኣፍሊጡ እዩ።

መንግስቲ ሶማል ፣ ነቲ ጉጅለ ንምድቓቕ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ገዚፍ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ይሓትት ምህላዉ እዩ ዝንገር። ሓድሽ መራሒ ሶማል ምስ ምምሕዳር ዋሺንግተን ደሓን ዝኾነ ዝምድና የማዕብልን ፣ መጠናዊ ቊጽሪ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ መሬቱ ኪኣትዉ ኣፍቂዱ ምህላዉን እዉን ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ፣ ሶማል ወተሃደራዊ ዓቕማ ንምምዕባል ናብ ከም ኤርትራን ካልኦት ጎረባብታን ንስልጠና እትልኮ ቊጽሪ ሰራዊት ይዛይድ ምህላዉ ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ፣ ሰለስተ ጎረባብቲ ሶማል ማለት ኢትዮጵያ ፣ ጂቡቲን ኬንያን ኣብ ምድቓቕ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝወፍሩ ተወሰኽቲ ሰራዊት ናብታ ሃገር ክልእካ ምዃነን እዉን ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ተሓቢሩ ነይሩ። እቶም ዝለኣኹ ወተሃደራት ኣካል ናይቲ ኣብ ሶማል ዝነጥፍ ግዝያዊ ሰራዊት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከምዘይኮኑን ፡ ኣብ ጎድኒ ስራዊት ሶማል ኮይኖም ኣብ ምቅላስ ኣልሸባብ ብቐጥታ ከምዝሳተፉን እዩ መንግስቲ ሶማል ሓቢሩ።

እተን ሰለስተ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ሞቓዲሾ ዝተቓንዐ ዋዕላ ጸጥታ ምስ መንግስቲ ሶማል ኣብ ዝበጽሕኦ ስምምዕ ፣ ንኣልሻባብ ንምህዳንን ንምድቓቕን ብኹሉ ግንባራት ሓባራዊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከውፍራ ተረዳዲአን እየን።

ብዘይካ’ዚ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት ኤማራትን ቱርኪን ኣብ ልዕሊ ሶማል ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር ክለዓል ከምዝድግፋ ኣረጋጊጸን ብምህላወን፣ መንግስቲ ሶማል ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ጀሚርዎ ንዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ተውሳኺ ድጋፍ ከምዝኸዉን ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።