ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቊጠባዊ ይዂን ፖለቲካዊ ጠለባትን ስክፍታታትን ዕጡቕ ምንቅስቓስ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ግንዛቤ ሂቡ ንኣርባሒ ዝርርብ ሰላም ባይታ ከንጽፍ ፣ ተቛዋሚ ሰልፊ ፈደራላዊ ጉባኤ ኦሮሞ ጸዊዑ። እቲ ሰልፊ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘቃንዖ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ መንግስቲ ንሕቶታት ስክፍታታትን ጠለባትን ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣተኲሮ ብምግባር ሰላማዊ ፍታሕ ንኽርከብ ዘኽእል ቅሩብነት ከርኢ እዩ ተላብዩ።
ሰልፊ ፈደራላዊ ጉባኤ ኦሮሞ ወሲኹ፣ ክልቲኦም ወገናት ዝሓለፈ ሰሙን ብዘይፍረ ንዝተዛዘመ ዝርርብ ሰላም ብዝሓሸ መልክዑ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክቕጽልዎ ብምምሕጻን ዘይሻራዊ ኣካል ነቲ ዝርርብ ከማእዝኖ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።
ኣቦመንበር ሰልፊ ፈደራላዊ ጉባኤ ኦሮሞ ፕሮፈሶር መሪራ ጉዲና ኣብ ዝሃቦ ቃል ፣ እቲ ዘተ ሰላም ንጸጥታዊን ፖለቲካዊን መጻእኢ ክልል ኦሮሞ ዝምልከት ብምዃኑ እዉን ፣ ኹለን ፖለቲካዉያን ሓይልታት እታ ክልል ክሳተፍኦ ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ምንቅስቓስ ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ከተማ ዛንዚባር ናይ ታንዛንያ ንሰሙን ዝተኻየደ ዘተ ብዘይ ዝኾነ ስምምዕ ምዝዛሙ ይዝከር።
“እቲ ዘተ ብሓፈሻኡ ሃነጽቲ ሓሳባት ዝመንጨውሉ ምንባሮም ኣብ ገዘፍቲ ጉዳያት ግን ናብ ምርድዳእ ክብጻሕ ከምዘይከለ ኣብቲ ሽዑ ዝሓበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ፈላሚ መድረኽ ዘተ ግን ንቀጻሊ ምይይጥን ሰላማዊ ልዝባትን ባይታ ዘንጽፍ ከምዝኾነ ኣይሓብአን።
እቲ ብመንግስታት ኬንያን ኖርወይን ተሰላሲሉ ብኣላይነት ኢጋድን ዝተቓንዐ ዘተ ፣ ነቲ ንዓመታት ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ዕጡቓትን ኣብ ክልል ኦሮሞ ሰሪቱ ዘሎ ግጭት ኣብ ምዝላቕ ልዑል ጽልዋ ክህልዎዩ ዝብል ተስፋ ተነቢሩ’ዩ ጸኒሑ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝብእስ ዘሎ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ምስ ዕጡቓት ተቛወምቲ እቲ ክልል ብሓፈሻ ምስ’ቲ ሸነ ኢሉ ዝጠቕሶ ዕጡቕ ክፋል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ድማ ብፍላይ ናብ ሰላማዊ ዘተ ኪኣቱ ተደጋጋሚ ጻዉዒት ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ።
ጸጥታዊ ኩነታት ደቡባዊን ምዕራባዊን ከባቢታት ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተኣፋፍነቱ እንዳዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ዝሕብሩ እቶም ጸብጻባት፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ጽዑቕ ኲናት ዝጸንሐ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ኲነታት ኣብ ምምሕያሽ ብድሆታት ይገጥሞ ምህላዉ እዉን ይሕብሩ።
ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝዓርግ ዘሎ ጎነጽ ካብ ቊጺጽር ወጻኢ እንዳኾነ ይኸይድ ከምዘሎ ይፍለጥ። ሓያለ ፖለቲከኛታትን ሰልፍታትን እታ ክልል መንግስቲ ልክዕ ከምቲ ኲናት ክልል ትግራይ ንምኽታም ምስ ህወሓት ዝበጽሖ ስምምዕ ምስቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ገዚፍ ሓይሊ ወኒኑ ዝራጸም ዘሎ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ እዉን ተመሳሳሊ ስምምዕ ብምኽታም ንነባሪ ርግኣት እታ ክልል ክሰርሕ እዮም ክጽውዑ ጸኒሖም።