“ንውሑስ መጻኢ ንቃለስ ኣንጻር ሓደ ጸላኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሰሚናር ዓለምለኸ ይኣክልን ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብ6 ግንቦት ጀሚሩ ።

እቲ ኣብ ሽዱሽተ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኽካየድ መደብ ተሰሪዕሉ ዘሎ ሰሚናር ብከተማ ኢንድያናፖሊስ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ናይ ኢንዲያናፖሊስ ርክብ ፣ ወከልቲ ዓለም ለኸ ይኣክል ኣቶ ልኡል ዘውደን ፡ ኣቶ ሓምድ ሳልምን ንተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ስራሕ ዓለም ለኸ ይኣክል ድሕሪ ምቅራብ፡ ናይ ቀረባን ርሑቅን መደባት ዓለም ለኸ ይኣክል ብምግላጽ፣ ኣብ መወዳእታ ካብ ህዝቢ ንዝቀረቡ ሕቶታት ብምምላስን ርኢቶታትን ለዋታትን ብምቕባልን ኣኼባኦም ዛዚሞም።

ማእከላይ ዕላማ ናይቶም ኣብ ከተማታት ኢንዲያናፖሊስ ብ6 ግንቦት ፡ ኣብ ኦክላንድ ን13 ግንቦት፡ ኣብ ህዩስተን ን20 ግንቦት ፡ ኣብ ኣትላንታ ን27 ግንቦት፡ ኣብ ሲያትል ን3 ሰነ፡ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ድማ ካብ 9 ክሳብ 11 ሰነ ዝተመደበሎም ሰሚናራት ፣ ኤርትራዊ ደንበ ተቛዉሞ ሓባራዊን ቀንዲን ጸልኢ ኣለሊዩ ንዝሓየለ ቃልሲ ክተብዕን ፍልልያቱ ኣብ ምጽባብ ክበልሕን ንምጉስጓስ እዩ።

ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ብተደጋጋሚ ከፊላዊ ግዳይ ናይቶም ህግደፍ ዘማሕድሮም ዘሎ ጸወታታት ይኸዉን ብምህላዉ ፣ ሻቕሎት ናይ’ቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ፍትሒ ዝህንጠ ዘሎ ህዝቢ ቀጻሊ ይዛይድ ምህላዉ የፍልጥ ። ገለ ወገናት ደንበ ፍትሒ፡ ኣብ መፈንጠራ እቶም ጸወታታት ኣትዮም፡ ከየስተብሃሉ ንሕንፍሽፍሽን ምጒታትን እቲ ደንበ ክወፍሩ ይረኣዩ ከምዘለዉ እዉን ይንገር።

ኣብ ስደት ብዉልቆምን ተወዲቦምን ንፍትሒ ዝንቀሳቐሱ ሃገራዉያን፡ ግዳይ ናይ’ቶም ብህግደፍ ዝብተኑ ጸወታታት ምዃን ክሳብ ዘየቋረጹ፡ ዕላማኦም ክወቕዑ ከምዘይኮኑ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ብቐጻሊ ከዘኻኽር ምጽንሑ ይፍለጥ።

ህግደፍ ኣብ ምስዋርን ምምሕዳርን ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ካብ ዝተኻፈለሎም ቀንዲ ምኽንያታት ፣ ንደንበ ኤርትራዊ ተቓዉሞ ኣብ’ዚ ሓድሽ ክስተት ብሓሳብን ተግባርን ከምዘይረዳዳእ ጌርካ ንምድኻሙ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ኤርትራዊ ደንበ ነዚ ሽርሒ እዚ ከየቕለበሉ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ጸግዕን ወገንን ኪመርጽ ስለዝተራኣየ፡ ኣብ’ዚ ግዜ ነንባዕሉ ኽካሰስን ኽተሃላለኽን ነቲ ቐንዲ ስራሑ ረሲዑ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንቐጻልነት ጉጅለ ህግደፍ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ህዝቢ ዝወቅስ።

ነቲ ፍትሒ ኸተምጸኣሉ ዝጽበየካ ዘሎ ህዝቢ ረሲዕካ ግዳይ ናይ’ቶም ንህዝቢ ብዘሳቒ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዝግተሩ መጻወድያታት ምዃን ከይተገድፈ  ብደንበ ተቛዉሞ ኽረጋገጽ ዝኽእል ዓወት ከምዘይህሉ እዉን ብተደጋጋሚ ኪሕበር ጸኒሑ ኣዩ።