ንኣስታት ርብዒ ዘመን ኣብ መቁሕ ስርዓት ህግደፍ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኩነታቱ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ኣብ ዘምርሓሉ ዘሎ እዋን ህዝቢ ብቅሉዕን ብህግዶን መረረታት ኣንጻር እቲ መላኺ ስርዓት የስምዕ ኣሎ ።
ህግደፍ ብዝፈጠሮ ጸገማት ደቁ ኣብ ፈቀዶ በረኻታት ሳሃራን ኮምኡ እውን ኣብ ዘይተደልየ ኩናት ክሃልቁ ዝገበረን ዋና ታሓታትን ናይቲ ዘሎ ሳዕቤን እቲ ስርዓት ምኻኑን ክሕተተሉ ከም ዝግባእ እውን እቶም ወገናት ኣብ መረረኦም ገሊጾም ።
ስርዓት ህግደፍ ናይ ኲናት ገበነኛ ብምኻኑን ንዓመታት ምጥፋእ ዘመተ ኣንጻር ኤርትራውያን መንእሰያት ዝኣወጀ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኾነን እውን ኣብርሆም ። ስድራቤታት ብጥርኑፍ ከይተረፋ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክስደዳን ከምዝገበረ እውን ኣፍሊጦም ። ኣረጋውያን ስንኩላን ከይተረፉ ካብታ ሃገር ክወጹ ከም ዝህቅኑ ድሮ እውን ምጽናት ብዝመስል ኣገባብ ናብ ጎረባብቲ ከምዝወሓዙን ይውሕዙ ከምዘለዉን እውን ኣብሪሆም ።
ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ሰላም ክረኽቡ ማለት ዘይሕሰብ ምኻኑ ዝገለጹ እቶም ወገናት እቲ ስርዓት ሕጂ እውን ዝተፈላለየ ምኽንያት ኣሳቢቡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኩናት ክውልዕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቆም ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ደገ ዘለዉ ኤርትራውያን ገበናት ናይቲ ስርዓት ኣብ ምግላጽን ነቲ ስርዓት ኣብ መጋባእያ ገበነኛታት ኩናት ክቀርብ ክጽዕሩ ከምዘለዎም ተማሕጺኖም ።