ኣብ ሱዳን ካብ ኩናት ሓድሕድ ሂወቶም ንምድሓን፡ ካብ ከተማ ካርቱም ዝሃድሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቁጽሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርከተ ይመጽእ ኣሎ ።

እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ሽግራቶም ንምፍታሕ ካብ ከተማ ካርቱም ወጺኤን ዝርከባ ንኣሽቱ መዕርፎ ነፈርቲ  ብምኻድ ናብ ከተማ ጁባ ንኽጉዓዙ ኣብ ዝፍትኑሉ ዘለው እዋን እቲ ምዕጋት ንኤርትራውያን ጥራይ ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ እዉን ተረጋጊጹ ኣሎ።   ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ነዚ ጉዳይ ኢዱ ኣጣሚሩ ይዕዘቦም ከም ዘሎ እዮም ዝሕብሩ ዘለው።

እቶም በቲ ኩነታት ተስፋ ዝቆረጹ ኤርትራውያን ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ምዓስከራት ክዕቆቡ ይከዱ ከምዘለው ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረደእ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ፣ ካብ ካርቱም ናብ ጁባ ብክንደይ መሰናኽል ዝበጽሑ ኤርትራውያን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ተዓጊቶም ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝኾነ ደገፍ ከምዝተኸልኡ ከምሳዕቤኑ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዘይ ዋሕስ ክቅበለኹም ኣይኽእልን እየ ስለ ዝበሎም፣ እቶም ዜጋታትና ኣብ ሰንፈላል ክወድቊ ካብ ዝኾነ ትካል ሕቡራት ሃገራት ይኹን ኣብ ከተማ ጁባ ካብ ዝርከብ ኤርትራዊ ድማ ደገፍ ክምሕጸኑ ቀንዮም እዮም።

እቶም ካብ ሱዳን ብመንገዲ መተማ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ዝህቅኑ ኤርትራዉያን ተፈናቐልቲ እዉን  ካብ ኤምባሲኹም ናይ ዉሕስና ፍቓድ ኣይመጸኣናን እንዳተባህሉ ብኣባላት ጸጥታ ኪጓነዩን ኣብ ቃልዕ ክድርበዩን ምቕናዮም ተሓቢሩ እዩ።

ሱዳናውያን ፡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ዝኾኑ ተፈናቐልቲ ናብ ኤትዮጵያ ንኽኣትዉ ክፍቀደሎም ከሎ  ኤርትራውያን ግን ኤምባሲኹም ኸይነሕልፈኩም ከልኪልኩም ኣሎ ዝብል መልሲ ክወሃቦም ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።