ስርዓት ህግደፍ ከም ወትሩ በቲ ከም ኣዋጅን መምርሕን ገይሩ ዝጥቀመሉ ሓተታ፡ ገይሩ ነቲ ካብ ኣመሪካ ዝገጥሞ ዘሎ ተሪር ጸቅጢ ተቃውምኡ ኣቅሪቡ።

እቲ ሓተታ ኣመሪካ፡ ፖሊሲ ዘየቋርጽ ተጻብኦታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝወጸ ኮይኑ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ብዝርዝር ብዛዕባ እቶም ቅድሚ ሕጂ ክዛረበሎም ዘይደፍር ዝነበረ ኣርእስቲ ማለት  ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣናት ናይቲ ስርዓት ከም ጀነራል ፍሊፖስ ወልደዮሃንስ፡ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ክሻን ብመንግስቲ ኣመሪካ ተቀሚጡ ዘሎ እገዳን ክስን ምስ ዝርዝር ሓበሬታ ናይ ተኸሰስቲ ክሳብ ቁጽሪ ፓስፖርት ዘለዎ ናብ ህዝቢ ምቅራቡ እዩ።

ዕላማ ናይዚ ተዘርጊሑ ዘሎ ውልቃዊ ሓበሬታ ናይዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ  ኪኖ ግብረመልሲ ዝሓልፍ፡ ንውሽጢ ዓዲ ዝዓለመ ፖለቲካኢ ውዲት ዘለዎ ክኸውን ከምዝኽእል ነቲ ስርዓት ብቀረባ ዝፈልጥዎ ይእምቱ።

ብመሰረት ኣብቲ ሓተታ ትገሊጹ ዘሎ፡ ልዕሊ ዝኾነ ንስርዓት ህግደፍ ሕማም ርእሲ ክኾኖ ዝኽእል፡ ነቲ ኣመሪካ ሓድሽ ወለዶ ብምኹስዃስ ድሕሪ ኢሰያስ ዘሎ ግዜ ትሓስብ ከምዘላ ዝመላኽት ጸብጻብ መንግስቲ ኣመሪካ ሙዃኑ ዘየጠራጥ እዩ።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዝጸንሓ ፖሊሲ ኣብ ዘለዎ ምግታእ ዝብል ስትራተጂ እኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ኤትዮጵያ ኣትዩ ዝፈጸሞ ኣዕናዊ ተግባራት ግን፡ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ክትገብር ከምዝጀመረት ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

ብዙሓት ወገናት ኣብዚ ሰዓት ኣመሪካ ይኹን ሃገራት ምዕራብ፡ ምስ ስርዓት ኢሰያስ ዘለውን ዝምድና ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዘሎን፡ ኣማራጺ ኣብ ዝረኽባሉ ድማ  ኣንጻር ኢሰያስ ደው ክብላ ከምዝኽእላ እዮም ዝሕብሩ። ልዕሊ ኹሉ ግን ኣመሪካ ኣብዚ ሰዓት ድሕሪ ኢሰያስ ንዝህሉ መንግስቲ ምቁማታ፡ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ኣብዚ ሰዓት ንድሕሪት ክምለሰሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ።