ዓበይቲ መጥቃዕትታት ድሮን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዝሓየለ መልክዑ ይቅጽል ኣሎ
ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ድሮን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዝሓየለ መልክዑ ብምቅጻሉ ምንግስቲ ዩክረይን መጠንቀቅታ ደብዳብ ኣየር ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘርጊሑ ።
ከንቲባ ርእሰ ከተማ ኪቭ በቲ “ዝዓበየ” መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ካሚካዘ ክሳዕ ሕጂ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝቘሰሉ ክገልጽ ከሎ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኦዴሳ ድማ ሓደ ሰብ ከምዝሞተን ከምኡ እውን ኣብቲ ዞባ ዝርከብ መኽዘን ቀይሕ መስቀል ብድሮናት ሩስያ ከም ዝተሃርመ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰበስልጣን ዩክረይን 15 ክሩዝ ሚሳይላት ሩስያ ኣብ ሰማያት እታ ሃገር ከም ዘውደቝ ይገልጹ።ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ኪቭ ሰርሂይ ፖፕኮ፡ እቶም ሚሳይላት ኣብ ዞባ ባሕሪ ካስፒያን ካብ ዝበራ ኣርባዕተ ነፈርቲ ቦምባ ከም ዝተወንጨፉ ክሕብር ከሎ ፣ እዚ ድሕሪ ሸሞንተ መዓልታት ኣብ ኪቭ ዝተፈጸመ ራብዓይ መጥቃዕቲ ኰይኑ፡ ሩስያ ዓመታዊ እትጽንብሎ መዓልቲ ዓወት ከተብዕል ኣብ እትዳለወሉ ዘሎ እዋን’ዩ ተፈጺሙ።
እዚ ዓመታዊ በዓል፡ ሕብረት ሶቭየት ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ናዚ ጀርመን ዝተጓናጸፈቶ ዓወት ዝዝከር እዩ ።
ምኒስትሪ ምክልኻል ዩክረይን ከምዝሓበሮ ፡ እቲ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ሩስያ፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝቐጸለ ኮይኑ ብተወሳኺ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብኢራን ዝተሰርሓ ሻሄድ ካሚካዝ ዝበሃላ ድሮናት እየን።
ከንቲባ ከተማ ኪቭ ቪታሊ ክሊችኮ፡ ነዚ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ ሩስያ ኣስታት 60 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝወንጨፈት ብምግላጽ፡ ክሳዕ ሕጂ እቲ “ዝዓበየ” መጥቃዕቲ ክብል ገሊጽዎ።ንሱ ወሲኹ፡ 36 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝዓነዋን ፡ ብስብርባር ናተን ድማ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝቘሰሉ ሓቢሩ ኣሎ።