ስርዓት ህግደፍ ነቲ ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ዝስደድ ናይ ደገ ባጤራ ንሙቁጽጻር ዝተፈላለያ ትካላት ብስም ዉልቀሰባት ናብ ከተማታት ኤርትራ ይዝርግሕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ
እዘን ብህግደፍ ዝቆጻጸራ ትካላት ናይ ብሕቲ ትካላት ኣምሲልካ ኣማሲኡ ነቶም ኣብ ደገ ዝቅመጡ ኤርትራውያን ናብ ስድራቤታቶም ዝሰድዎ ናይ ወጻኢ ባጤራ ናብ ከብሕታቱ ንምእታዉ ዝጥቀመሉ ሜላ ምኻኑ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም ።
መጠነ ሸርፊ ባጤራ ናቅፋ ብመንጽር ኣህግራዊ መለኪዕኡ ክርአ ከሎ ኣዝዩ ውዱቅ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ዘተኣታተዎ ዓማጺ ሜላ ብዋግኡ ዘይኮነ ይሽረፍ ከም ዘሎ እቶም ጸብጻባት ብተወሳኺ ይሕብሩ ።
ናህሪ ዋጋታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እና ወስኹ ክመጹ ከለዉ ባጤራ ናቅፋ ድማ ናይ ምግዛእ ዓቅሙ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናእቆልቆለ ይመጽእ ምህላዉ እቶም ወገናት ይገልጹ ።
ኣብ ደገ ዝቅመጡ ኤርትራውያን እቲ ስርዓት ብዝኽተሎ ዘሎ ናይ ሸርፊ መለኪዒታት ብብዝሒ ግዳያት ይኾኑ ከምዘለዉን ዋላ እውን ብዝሒ ዘለዎ ገንዘብ ናብ ስድራቤቶም ድሕሪ ምስዳድ ስድራቤታቶም ድማ በቲ ደቆም ዝሰዱሎም ዘለዉ ገንዘብ ናይ መዓልታዊ ወጻኢታቶም ክሽፍን ዘይክእል ብምኻኑ እቲ ረብሓ 100% በቲ ስርዓት ይኽዕበት ከም ዘሎ ብምረት ይዛረቡ ።