መራሒ ጉጅለ ህግደፍ በቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝዕብልሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝራጐድ ዘሎ ሓድሽ ምሕዝነት ይሻቐል ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

ንኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያን፡ እቲ ኲናት ንኤርትራ ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽእል ስግኣትን ዘይልኩዕ ምስሊ እንዳሃበ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ናይ ኣይኲናት ኣይሰላም ሃዋህዉ ንምግዛኡ መዲቡ ዝጸንሐ ህግደፍ ፣ ከምቲ ዝሓሰቦ ስለዘይኮነሉ ኣብ ቀጻሊ ጸቕጢ ምህላዉ እዮም እቶም ምንጭታት ዘረድኡ።

ጸጥታዊ ዉድቀት ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ንኽምለስ ዓመታት ከምዘድሊዮ ኽግመት ዝጸንሐ ህግደፍ ፡ ነቲ ኲነታት ከም ቀጻሊ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣንቢሩ፡ ዘቤታዊ ጠለባት ስርዓተ-ሕግን ዝሓሸ ምሕደራን ህዝቢ ኤርትራ ምላሽ ኸይርከቦም ጥጡሕ ዕድል ክህልወኒ እዩ ዝብል እምነት እዩ ሒዙ ጸኒሑ።

ኣብ ምስዋርን ምጉህሃርን ጸጥታዊ ዉድቀት ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ዝተዋስአን ዝዋሳእ ዘሎን ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝመርሖ ዝነበረ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ንቐጻልነት ምልኩ ኣብ ኤርትራ ኽጥቀመሉ ዕላማ ከምዝነበሮ እዩ ዝፍለጥ።

ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ኲናት ንኽዓርፍ ኩሉዓይነታዊ ጸቕጢ ብምግባር ስምምዓት ሰላም ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ተኸቲሞም ኢትዮጵያ ናብ ዝሐሸ ርግኣት ከተምርሕ የገድድ ብምህላዉ ግና፣ እዚ ንህግደፍ ኣብ ዉሽጣዊ ነውጺ ክሽመም ጌሩ ኣሎ።

ኣቐዲሙ ብዶባዊ ምስሕሓብ ምስ ህ.ወ.ሓ.ት ንዝተኣትወ ዘየድሊ ኲናት ብምምኽናይ ፡ ንልዕሊ 20 ዓመት ፡ መላእ ህዝቢን ሃገርን ንቐጻሊ ዉትህድርና፣ ሕሰም መነባብሮ፣ ድጎናን መስጎጒቲን ብምቅላዕ ፡  ዕድመ ስልጣኑ ከናዉሕ ዝጸንሐ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ደጊሙ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዓመታት ክቕጽለለይ ይኸዉን እዩ ኢሉ ዝገመቶ ሕንፍሽፍሽ ከም ስቡሕ ምኽኒት ወሲዱ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓድሽ ናይ ክተትን ተጠንቀቕን ህሞት ኸርዲኑ ፡ ንዝተናዉሐ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኪፈርዶ ሓሊኑ እዩ ጸኒሑ።

ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ብምፍታሑ፣ ህዝብን ሰራዊት ኤርትራ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገር ዝድለ ለውጢን ምምሕያሽን ብዘይፍርሒ ኪሓትት ከምዝኾነ ኣጸቢቚ ዝፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ፣ ህዝባዊ ቐልቢ ዝጥምዝዙ ሓደሽቲ ተዋስኦታት ካብ ምፍብራኽ ከምዘየዕርፍ እዮም ዝሕብሩ እቶም ምንጭታት።