ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይን ካልኦት ክልላት ኤትዮጵያን  6ይ ሃገራዊ ምርጫ ዘይተኻየደሎም ከባቢታት ኣብ ዝመጽእ ዓመት 2024 ከባብያዊ ምርጫ ንምክያድ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ ነዚ ዝገለጸ፡ ጸብጻብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ  2023 ዓ.ም ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ዲሞክራስያዊ ጉዳያት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን እዩ።

ነቲ ጸብጻብ ዘቕረበ ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ቦርድ ኣቶ ውብሸት ኣየለ፡ 6ይ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዝተወሰኑ ክልላት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከምዘይተኻየደ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ዓመት 2023  ክካየድ ተሓሲቡ ምንባሩ እንተኾነ ከምዘይተዓወተ ገሊጹ።

ኣብ ገለ ክልላት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ናይ  ጸጥታ ጸገም ፡ 6ይ ሃገራዊ ምርጫ ከይተኻየደ ምትራፉ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ትግራይ ንበይኑ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ምርጫ ድማ፡ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ከምዝነጸጐ ዝዝከር እዩ።