ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ስልጣን ከይተኣልየ፣ ኣብ ኤርትራ ሰሪቱ ዘሎ ኩሉዓይነታዊ ማሕበረ-ቊጠባዊ ውድቀት ኣብ ሓጺር እዋን ትንፋስ ኪሶኲዕ’ዩ ኢልካ ኽግመት ከምዘይከኣል ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ደጊሞም ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ኩሎም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተመዝጊቡ ዘሎ ድሕረት፣ ብመለኪዕታት ልምዓትን ምዕባለን ክትግምግሞም እኳ ከምዘሕንኽ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ብሰንኪ ሕመቚ ወሪዱ ዘሎ ድሕረት ኽጽግን ምዃኑ ዘተስፉ ሓድሽ መብጽዓ ብምዉዕዋዕ ብስም ሓድሽ ወፍሪ ዳግመ-ህንጻ ንመላእ ህዝቢ ኣብ ዘይነጽፍ ጉልበታዊ ኣገልግሎት ከዳኽሞ መዲቡ ምህላዉ ኣረጋጊጾም።
ህግደፍ ነታ ንከባቢ ሳላሳ ዓመታት ዝርካባ ኣሕዲጉ ረሚስዋ ዘሎ ሃገር፣ ሕጂ’ዉን ብወፈራ ህዝቢ ኪሃንጻ እየ ብዝብል ሽርሒ ንተወሰኽቲ ሳላሳ ዓመታት ንህዝቢን ሰራዊትን ኣብ ጉልበታዊ ምዝመዛ ከባሪይ ጥሙሕ ከምዘለዎ እዮም እቶም ምንጭታት ዘቃልዑ።
ኣብ ጽዑቕ ኲናት ጸኒሑ ካብ ኢትዮጵያ ዝምለስ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ፡ ሕጂ’ዉን ካብ ሃለኽለኽን ጉልበታዊ ምዝመዛን ከዕርፍ ከምዘይኮነ ምንጭታት ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢሮም ነይሮም።
ህግደፍ ድሕሪ ምዝዛም’ቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብኢትዮጵያ ከመኽንየሉ ዝጸንሐ ናይ ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋህዉ፡ ሕጂ ድማ “ዳግመ ህንጸት ሃገር” ብዝብል ምስምስ ንሰራዊትን ህዝቢን ገደብ ግዜ ኣብ ዘይብሉ ጉልበታዊ ወፈራ ከዳኽም መደብ ሰሪዑ ከምዘሎ እዮም እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ዘሎ መንእሰይ ናብራኡ ከይገብር ኣብ ስራዊት ከም ባርያ ንምቊጽጻሩ ነዚ ሓድሽ ልምዓታዊ ወፈራ ሰሪዑ ዘሎ ህግደፍ፣ እቲ ወፈራ ከም ዝሓለፈ ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ መጻኢን ዕድልን ህዝቢን ሃገርን ከጸልምት እምበር ዝኾነ ረብሓ ዝህልዎ ከምዘይኮነ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፣ ህግደፍ ድሕሪ ምዝዛም ኢትዮጵያዊ ምኽንያት፡ ንነዊሕ ዓመታት ዝኸይድ ዳግማይ ጉልበታዊ ምዝመዛ ህዝቢን ሰራዊትን ከም መደብ ሓንጺጹ ከምዘሎ ኣገንዚቦም ነይሮም።
ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ብቐንዱ ንልምዓትን ጣዕሚን ሃገር ዘይኮነ ፣ ዜጋታት መለሳ ኣብ ዘይብሎም ወፈራታት ጉልበቶም እንዳመዝመዝካ ተመለኽቲ ንምግባሮም ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ’ዩ እዚ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ ወፍሪ ፡ሃገር ክትለምዕን ክትብልጽግን ዘይኮነ ፡ ዜጋታት ብዘይ ማይን መብራህቲን ኣብ ዝሓሰመ ድኽነት ኪነብሩ ገይሩ ዝርከብ።