ኣብዚ ቅንያት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ብዘይሓላፍነታውያን ሰባት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓመጽ ይግበር ከም ዘሎ ግዳያት ናይዞም ዘይሓላፍነታውያን ሰባት ዝኾኑ ዘዘራረብናዮም ኤርትራውያን ስደኛታት ገሊጾም ።

እዞም ዶብ ኤርትራ ሰጊሮም ኣማሲኡ ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት በቶም ዘይሓላፍነታውያን ሰባት ኣስታት 3000 ሽሕ ዶላ ክኸፍሉ ይሕተቱ ከም ዘለዉን እዚ ምስ ዘይገብሩ ድማ በቶም ከታሮ ገቢድ ዝኾነ ማህረምቲ ከም ዝወርዶም ብተወሳኺ ኣብሪሆም ።

ኤሪሳት ዘዘራረብቶም ግዳያት ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነቲ ኩነታት ክሕብሩ ከለዉ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ልሙድ ከም ዘይነበረን እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ተርእዮታት ሓድጊ ናይቲ ትማሊ ዝተኻየደ ኩናት ክኸውን ከምዝኽእል እውን ይሕብሩ ።

እዞም ዘይሓላፍነታውያን ሰባት ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጽሙዎ ዘለዉ በደል ዝምልከቶም ወገናት ዓገብ ክብሉሉን ኣብ ጎኒ እቶም ኣብ ወጽዓ ዘለዉ ስደተኛታት ደው ክብሉ እቶም ግዳያት ተማሕጺኖም ።

ውልቀ መለኽቲ ምንግስታት ብዝኣጎርዎ መጋርያ ኩናት ግዳያት ዝኾኑ እዞም ክልተ  ህዝቢታት ሎሚ እውን እንተኾነ ነቲ ብሰላም ተኻኣኢልካ ምንባርን ምድጊጋፍን ክቅጽልዎ ብዙሕ ዘጸግሞም ከም ዘይኮኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብ ክልቲኡ ህዝቢታት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ዶብ ናይ ኤርትራ ድሕሪ ምስጋሮም ብህዝቢ ትግራይ ደገፍ ይግበረሎም ከም ዝነበረ በቲ መንገዲ ዝሓለፉ ስደተኛታት ክገልጹ ምጽነሖም ዝዝከር ኮይኑ ፣ ስደት ኤርትራውያን ክሳብ ዘኽትም ድማ እቲ ብህዝቢ ዝግበረሎም ደገፍ ክቅጽልን ብዘይሓላፍነታውያን ወገናት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ  በደል ድማ ዓገብ ክበሃሎን ኤሪሳት በዚ ኣጋጣሚ ትምሕጸን ።