ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ኩናት ሕድሕድ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምስግጋር ዝነበሮም መስርሕ ብምትዕንቃፉ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ይርከቡ ኣለዉ።
ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ ጉጅለ 5 ዝፍለጥ መስርሕ ናይ ካናዳ ዝነበሮም፡ ናይ በረራ ኣየር ኣብ ዝጽበይሉ ዝነበሩ እዋን፡ ብምኽንያት ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ብምትዕንቃፉ ጉዳዮም ኣብ ህዋ ተንጠልጢሉ ይርከብ ኣሎ።
ዳርጋ ኩሎም እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ስለዘይብሎም፡ ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ከይዶም ጉዳዮም ከይከታተሉ ተሸጊሮም ኣለዉ። ብተወሳኺ ኣብ ሱዳን ኣብዚ ሰዓት ናይ ካናዳ ወኪል ይኩን ናይ ካልኦት ሃገራት ተወከልቲ ስለዘየለዉ፡ ንጉዳዮም መፍትሒ ንምርካብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ኣሎ።
ነዚ ንኤርትራውያን ኣብ ሱዳን ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግር ብምግንዛብ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶ ንጉዳይ እዞም ስደተኛታት መፍትሒ ንኽረክብ ይሰርሑ ኣለዉ።
ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መስርሕ ናይ ጉጅለ 5ን ካልእን ዝነበሩ ብሰንኪ ግጭት ሱዳን ኣብ ጸበባ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ጉዳዮም ፍሉይ ኣቃልቦ ክወሃቦ ንሓለፍቲ ኢሚግረሽንን ወጻኢ ጉዳያትን ጥርዓንን ምሕጽንታን የቅርቡ ኣለዉ። ብተወሳኪ ጉዳይ እዞም ስደተኛታት ኣቓልቦ ንኽረክብ’ውን ኣብ ቶሮንቶ ስታር ዝተባህለት ጋዜጣ ሰፊሕ ሸፈነ ረኺቦም ኣለዉ።
ጋዜጣ ቶሮንቶ ስታር ነዚ ጉዳይ ብዝመልከት ምስ ግዳያት ዝኾኑ ስደተኛታትን፡ ሓለፍቲ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ቶሮንቶ ብምዝርራብ ሸፈነ ሂባቶ ኣላ። ኣብታ ጋዜጣ ጸጋይ ምስጉን ፍትዊ ዝበሃል ኤርትራዊ ድሕሪ ናይ 15 ዓመት ምፍልላይ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ደቁን ዝነበረ ፍልልይ ክብቅዕ እዩ ኣብ ዝበልሉ እዋን፡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ንግንቦት 16 ናይ ኣየር በረራ ወጽኢሎም፡ ዝተዋህቦም ቪዛ ንምውሳድ ኣብ ምድላው ከለዉ ክልተ መዓልቲ ቅድሚ ናይ ኤምባሲ ቆጸርኦም እቲ ኩናት ስለዝተወልዐ ኣብ ሰንፈላል ከምዘለዉ እታ ጋዜጣ ትሕብር።
ብተወሳኺ ከም ጸጋይ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ኤርትራውያን ከምዘለዉን፡ እቲ ቀንዲ ስክፍትኦም ኣብዚ ሰዓት ድማ ካብዚ ኩነታት ብሂወት ከመይ ይወጽኡ ሙዃኑ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ትሕብር። ነዚ ኹነታት ቅልጡፍ ፍታሕ ንምርካብ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶ ሓያል ጻዕርን ጥርዓንን የቅርብ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶ ፡ ናብ ክፍሊ ኢምግረሽን ኣብ ዝሰደድዎ ጥርዓንን ምሕጽንታን፡ መንግስቲ ካናዳ ንጉዳይ ኣብ ሱዳን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፍሉይ ኣቃልቦ ክህቦን፡ከምቲ ንዜጋታት ይኩረይን ዝወሃብ ቅልጡፍ መስርሕ ክፍቀድን ሓቲቶም ኣለዉ።
ብተወሳኪ ነቶም ዕድል ገይሮም ካብ ሱዳን ናብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ክሰግሩ ዝኸኣሉ፡ ናይ ኢሚግርሽን ጉዳዮም ናብቲ ግዒዘሙሉ ዘለዉ ሓድሽ ሃገር ብቅልጡፍ ዝሰጋገረሉ ኩነት ክፍጠር’ውን ሓቲቶም ኣለዉ።
ብተወሳኺ ኣብ መላእ ዓለም ዘለና ኤርትራውያን ነዞም ኣብ ሞንጎ ሓዊ ተቐርቂሮም ዘለዉ ወገናትና ፍታሕ ክረኽቡን ኣብ ሱዳን ኮነ፡ ካብ ሓዊ ሃዲሞም ሃጽ ኢሎም ዝኸድወን ጎሮባብቲ ሃገራት ከም ደቡብ ሱዳን ግብጽን ኢትዮጵያን ናይ ስደተኛ ክለላ ክረኽቡን ክተሓበርኦምን በብዘለናዮ ጥርዓን ከንቕርበሎምን ይግብኣና።