ከም ወትሩ ኣብ ወርሓት ግንቦት ቅንያት መዓልቲ ናጽነት ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ኣብ መላእ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ግፋታት ይካየዱ ከምዘለዉ  ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ኤርትራ ሓቢሮም ።

እዚ ብምስምስ ጸጥታ ንምሕላው ተባሂሉ ዓመት መጸ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ ግፋ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብታ መዓልቲ ናጽነቱ ከንሳ ናጽነቱን ሓርነቱን ዘይረኸበ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ግፋ ንቡዙሓት መንእሰያት ከም ወትሩ ኣብ ሽቁረራን ራዕድን እትፈጥር ወርሒ ምኻና ብዙሓት ይገልጹ ።

ዘየቛርጽ ግፋታት ዕረፍቲ ከሊእዎም ካብ ቤት ንብረቶም ናብ በረኻታትን ቊሸታትን ኣርሒቖም ዝሕብኡ ዘለዉ መንሰያትና ፡
ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና ፣ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰላም ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ እዉን እንተኾነ ፣ ብዝበኣሰ ግፋን ምንግልታዕን ይሳቐ ከምዘሎ፥  ስድራቤታት ድማ ከም’ዚ ሎሚ ጌሩ ማእሰርቲን ዓዛብን መሪሩወን ከምዘይፈልጥ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ኣብ መላእ ሃገር ፣ ደቅኽንን ሰብ-ዓቕሚ ሰብኡትክንን ኣየኽተትክንን ብዝብል ጸገም ዘይተሓልፍ ስድራ ከምዘየላ እዮም ምንጭታትና ብተደጋጋሚ ዝገልጹ ።

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ብህግደፍ ተገዲዱ ክሳተፎ ዝጸንሐ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላም ክፍታሕ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኢሉ ኣዕርፍ ከየበለ እዚ ኹሉ መዓት ይወርዶ ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ህግደፍ ብድሕሪ ምኽታም ኲናት ኢትዮጵያ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከምዝመጽኦ ስለዝፈልጥ ንመላእ ሃገር ከርዕድ ዝተረፎ ሓይሊ ይጽንቅቕ ምህላዉ የረድኡ።

ህግደፍ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ዘካይዶም ዕድመን ጾታን ዘይፈልዩ ኣልመምቲ ግፋታት ብዝሓየለ ይቕጽሎም ከምዘሎ፣ በቶም ንደቂንስትዮ ከየተረፈ ዘይንሕፉ ግፋታት ድማ ሓያለ ኣሕዋትና ካብ መንበሪኤን ኣርሒቐን ኣብ በዓትታትን ደብርታትን ኪሕብኣ ይግደዳ ምህላወን ይንገር።