ኣብ ሃገርና ካብ ፍሩያት ስነጥበበኛታት ክሳብ ተራ ዜጋታት ዕለታዊ ዚዛይዱ ዘለዉ ናይ ርድኡና ጻዉዒታት  ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሃገር ኣስሚርዎ ዘሎ ሕሰም ዘረጋግጹ ቅሉዓል ኣብነታት ከምዝኾኑ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ከተማ ኣስመራ ደጊሞም ሓቢሮም።

ንመሰረታዊ ጠለባት ህይወት ዜጋታት ከማልእ ዘይመርጽ ስርዓት ንኤርትራ ይመርሓ ምህላዉ፡ በቶም ዓቕምን ናይ ቀረባ ኣገልግሎትን ስኢኖም መዓልቲ መጸ ጸገማቶም ንህዝቦም ዘካፍሉ ዘለዉ ወገናትና ንምፍላጥ ከምዘየጸግም ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ልዑል ተፈላጥነት ዘለዎም ዓበይቲ ስነጥበባዉያን ከየተረፈ ረድኤት ናይ’ቲ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ ህዝቦም ክሓቱ ምርኣይ ተለሚዱ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።

ህዝብና መንግስትን ኣዉሓሲን ከምዘይብሉ፡ በዚ ዕለታዊ ዝራባሕ ጥዕናዊን ቊጠባዊን ቅልውላዉ ዜጋታት ይንጸባረቕ ኣሎ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ሃገር ዝኾነ ዓይነት ጸገምን ሕጽረትን ከምዘየለ ኪሕስዋን ከደናግራን ብህግደፍ ዝምወላ ናይ ዉሽጥን ግዳምን መስመራት ማሕበራዊ ሚድያ ከይተረፋ፡ ነቲ ህዝብና ወዲቑዎ ዘሎ ደረጃ ከይተረድአን የቃልዓ ምህላወን ኣመስጊኖም።

ሓያለ ዜጋታትና ቅድሚ ሕጂ ሰሚዕምዎም ብዘይፈልጡ ዓይነታት መንሽሮን ውሽጣዊ ሕማማትን ይሳቐዩ ፣ ንመሐከሚ እቶም ሕማም ዝሕተት መጠን ገንዘብ ምስ ኣብ ሃገር ዘሕልፍዎ ትሑት ደረጃ መነባብሮ ስለዘይሳነ ድማ ናብ ህዝቦም ይጠርዑ ምህላዎም ይፍለጥ።

ንህዝቢ ከንበርክኽ ዝሸምገለ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ በቲ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ንወገናቱ ዘርእዮም ምድንጋጻት ይሕጎስ ከምዘየለ እዉን ምንጭታት ኤሪሳት ሓቢሮም ኣለዉ።

ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ድኳናት ሕድሪ ናብ ህዝቢ ዝቕርቦም ሃለኽቲ ነገራት ጠንቂ ናይቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝዛይድ ዘሎ ተርእዮታት መንሽሮን ዉሽጣዊ ሕማማትን ይኸዉን ከምዘሎ እዮም ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዝሓልፈ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2021 ሓቢሮም ምንባሮም ኣይርሳዕን።