ቁጽሪ ናይቶም ብኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዝሳደዱ ሰባት ናብ ኣማኢት ኣሽሓት ክበጽሕ’ዩ ክብል ዝጸንሐ ሕቡራት ሃገራት ፣ በቲ ኲናት ዛጊት ኣስታት 700 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ምህላዎም ትካላት እቲ ኣህጉራዊ ኣካል ይጽብጽባ ኣለዋ።

ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፣ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዝነበርታ ካርቱም በቲ ኲናት ሓለፋ ተጸልያ ዘላ ኮይና  ንዝበዝሐ ክፋል ተፈናቐልቲ እታ ሃገር ውኪላ ከምዘላ የነጽር። ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ብሰላም ንምፍታሑ ሓያለ ጻዕርታት ይካየዱን ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ኣብ ከተማ ጂዳ ናይ ስዑዲ ዓረብ ጽዑቕ ዝርርባት ምቕናዩን ዝፍለጥ ኮይኑ ፣ ሓይልታት ሓመቲ ንወተሃደራዊት ነፈርቲ ሰራዊት ኲናት ወቒዖም ከምዘውደቚ ኪሕበር ድሕሪ ምጅማሩ ግን ኲናት ከተማ ካርቱም ብዘሓየለ መልክዑ ይቕጽል ምህላዉ ይንገር።

በቲ ኣብ ሱዳን ዝብእስ ዘሎ ኲናት ኣስታት 800 ሽሕ ሰብ ኪሳደድ ተኽእሎ ከምዘሎ ቤትጽሕፈት ምዉህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ታ ሃገር ኣጠንቂቚ እዩ።

ካብ’ቲ ኣብ ማእከላይ ከባቢታት ሱዳን ብሓፈሻ ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን ድማ ብፍላይ ጽዒቚ ዘሎ ኲናት ኣርሒቖም ናብ ዝሓሸ ርግኣት ዘለዎ ከባቢታት እታ ሃገርን ጎረባብቲ ሃገራትን ናይ ዝዑቀቡ ዘለዉ ሰባት ብዝሒ ዕለታዊ ይዛይድ ምህላዉ ዘመልከተ እቲ ቤትጽሕፈት፣ እቲ ኲናት ናብ መላእ ሱዳን እንተሊሕሙ ካብ’ቲ ሃገር ኪዉሕዝ ዝኽእል ብዝሒ ስደተኛት ዝተዓጻጸፈ ከምዝኸዉን እዩ ዘጠንቅቕ።

ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ፡ደገፍቲን ዘራያትን ኣዉሒሶም ኣብዚ ኲናት ናይ ኣነ ይሰማዕን ኣነ ይሕይልን መንፈስ ክዉንኑ ይረኣዩ ብምህላዎም ፣ እቲ ጉዳይ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ይዂን ሓያላት ሸምገለቲ ፍታሕ ክርከቦ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ትዓዘብቲ ይሕብሩ ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብ11 ግንቦት ተኣኪቡ ነቲ ኣብ ሱዳን ብተራጸምቲ ሓይልታት ዝፍጸም ዘሎ ኩሉዓይነታዊ ግህሰት ዝዂንን ጸቢብ ዉሳኔ ምሕላፉ ዝግለጽ ኮይኑ፣ እቲ ሓሳብ ብዝኾነት ኣፍሪቃዊት ይዂን ዓረባዊት ሃገር ዝኾነ ደገፍ ዘይምርካቡ ፣ ነተን እቲ ዉሳኔ ንኽሓልፍ ብመሪሕነት ዝተጓየያ ኣመሪካን ብሪጣንያን ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ጽፍዒት ኮይንወን ምህላዉ ይሕበር ኣሎ።

ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ሓሊፉ ዘሎ ዉሳኔ ንሰራዊት መንግስቲን ሓይልታት ጀነራል ሓመቲን ኣሕቢሩ ዝኸስስ ከምዝኾነ ብምዉቃስ፣ ሰራዊት መንግስቲ ቅዋማዊ ተልእኾኡ ከቃንዕ ተገዲዱ ከምዘሎ ብምዝኽኻር ኣመሪካን ብሪጣንያን ዘንቀልኦ ሓሳብ ከም ቀደም ቅልጡፍ ተቐባልነት ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ክረክብ ከምዘይኮነ በቲ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝጎነፈን ብድሆ ንምግንዛቡ ዝከኣል እዩ ኢሉ